ሱዳንን ሕቡራት ኢማራትን ዘካየደኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

ሱዳንን ሕቡራት ኢማራትን ዘካየደኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ተዛዚሙ

Radio Erena: 20 December 2017

Sudan UAE

ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘካየድኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዝተዛዘመ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ናይ ሓይልታት ምድርን ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓለለ ልምምድ፣ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን’ዩ ተኻይዱ።

እንተኾነ ብዝሒ ናይቲ ኣብ ሓባራዊ ልምምድ ተጸሚዱ ዝቐነየ ሰራዊት ክልትኤን ሃገራት ኣይተሓበረን።

ዕላማ’ቲ፣ “ጀጋኑ ገማግም ባሕሪ ቁጽሪ 1” ዝተሰምየ ክሳብ 14 ታሕሳስ ዝተኻየደ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምድልዳልን ኣብ ሓባራዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕን ምዃኑ ኣዛዚ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ሱዳን ሉተናንት ጀነራል ሰዓድ መሓምድ ኣል ኣሚን ገሊጹ።

ሱዳን ኣቐዲማ’ውን ካብ 10 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዋጽአ ድሉው ሓይሊ ሰራዊት እቲ ዞባ ኣብ መሬታ ብምእንጋድ፣ ንኽልተ ቅነ ዝጸንሐ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየደት ኣይርሳዕን።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ሱዳን፣ ካብ ሩስያ ንዝሸመተተን ሱ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኵናት ምስ ሩስያውያን ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ኣብ ሓባራዊ ልምምድ ተጸሚዳ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0