ብናይ ብሄር ምትፍናን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምእትርከብ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይእመኑ

ብናይ ብሄር ምትፍናን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምእትርከብ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይእመኑ

Radio Erena: 20 December 2017

Haile Desu

ብናይ ብሄር ምፍልላይ ኣብ ምትፍናን እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘላ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንዘመናት ዘቖጸረ ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈታተን ግጭታት ተኸሲቱ ከምዘሎ ብምእማን፣ ጸጥታ እታ ሃገር ንምውሓስ ዝከኣሎ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ካብ 14 ክሳብ 17 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞ፣ ሶማል፣ ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ግጭታት ልዕሊ 100 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን ምቑሳሎምን’ዩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሓድሽ ኣቦ መንበር ናይቲ መሪሕ ውድብ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ኢህወደግ ዝኾነ ህወሓትን ዶክተር ደብረጽዮን ብወገኑ ምስ ጋዜጠኛታት ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብወገኑ፣ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ነዚ ዘሎ ኩነታት ንምግጣም፣ ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት ሰፊሕ ገምጋም ብምክያድ፣ ዳግመ ውደባ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጎሃረ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ብሄራት ግጭታት፣ ንሓያሎ ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ኣሰናኺሉ ከምዘሎ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ተገሊጹ’ዩ።

በዚ ንልዕሊ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ናይ ብሄራት ግጭታት፣ ኣማኢት ሰባት ክቕተሉ ክቖስሉን እንከለው፣ 10ታት ኣሽሓት ከኣ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም።

ብዘይካ’ዚ እቲ ግጭት ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ናይ ንብረት ክሳራታት ኣስዒቡ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0