ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2.4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ የካይዱ ኣለዉ

ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2.4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ የካይዱ ኣለዉ

Radio Erena: 15 July, 2014

Alba Dessa

ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2.4 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ የካይዱ ምህላዎም ፕረዚደንት ማሕበር ወፍሪ ሱዳን ዓዋድ ኣልከሪም ስዒድ ሓቢሩ።

ንሱ፣ ንማዕከን ዜና ሱዳን ቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሱዳናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ ዘለዉ ወፍሪ ድሕሪ’ቲ ናይ ቻይና ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከምዝስራዕ’ውን ኣፍሊጡ።

 

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ስሩዕ ናይ ባንክ ኣገልግሎታት ብዘይምህላዉን ኢትዮጵያ ንወፍሪ ዝሓዝኣቶ ከባቢታት ድማ ካብ ከተማ ዝርሓቐ ብምዃኑን ብድሆታት ከምዘሎ እኳ እንተጠቐሰ፣ ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ሸርፊ ዶላር ኣብ ርጉእ ደረጃ ስለዝርከብ ግና ንወፍሪ ኣተባባዒ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ ብመንገዲ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ጨው ንምሽማት ሓድሽ ስምምዕ ክትክትም እንከላ ጎኒ ጎኑ ድማ፣ ንሕጃን ዑምራን ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኸዱ ኢትዮጵያውያን ብመንገዲ ፖርት ሱዳን ክጥቐሙ ተረዳዲኤን።

ምስ ሱዳን ብምዝማድ፣ ናይ ወፍሪ ፍቓድ ንምውናን ኣብ ኢትዮጵያ ስሉጥን ዝቐለለን መስርሕ ከምዘሎ ዘመልከተ ፕረዚደንት ወፍሪ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሳላ’ዚ ስሉጥ መስርሕ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢትዮጵያ 800 ኣውፈርቲ ከምዝርከቡ ገሊጹ።

እቲ ዝነኣሰ ናይ ወጻኢ ወፍሪ፣ ርእሰ ማሉ ካብ 200 ሚልዮን ዶላር ናብ 3 ሚልዮን ዶላር ንምውራዱ ፓርላማ ኢትዮጵያ ይዘራረበሉ ብምህላዉ፣ እዚ እንተጸዲቑ ኣዝዮም ብዙሓት ሱዳናውያን ኣውፈርቲ ናብ ኢትዮጵያ ክውሕዙ ከምዝኽእሉ ይግመት።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0