ሱልጣን ዓሊ ኣልሚራህ ሱልጣን ብሄረ ዓፋር ኮይኑ ተመዚዙ

Radio Erena: 03 March 2023

ቤት ጽሕፈት ሱልጣን ብሄረ ዓፈር ብሓሙስ ክልተ መጋቢት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንኣሕመድ ኣልሚራክ ከም መበል 15 ሱልጣን ብሄረ ዓፈር ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ጌሩ ከም ዝመዘዞ ተሓቢሩ።

እቲ ን13 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ቅ/ቀ ዝካየድ ጽንብል ኣብ ኣሳሒታ ኢትዮጵያ ከም ዝግበር እውን ተገሊጹ።

ባህላውያን መራሕቲ፡ መንግስታውያን ሰበ ስልጣናት፡ ሕሩያት ወከልቲ ካልኦት ብሄራትን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተወከሉ መራሕትን ኣብቲ ጽንብል ሽመት ከም ዝሳተፉ እውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ሱልጣን ዓፈር ካብ ከባቢ 1,200 ዓመታት ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዓፈር ዝጸንሐ ባህላዊ መሪሕነት ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ብሄረ ዓፈር ከም ባህላዊ መሪሕነትን ፈታሒ ግርጭታትን ኮይኑ ከገልግል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ሱልጣን ኣልሚራ ሃንፋረ ፡ ብህጻንነቱ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካይሮን ብርጣንያን ከም ዝተማህረን፡ ሓሙሽተ ቋንቋታት ከም ዝመልኽን ይንገር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0