ሰውራ ኮፐርኒከስ ኣብ ኤርትራ

ሰውራ ኮፐርኒከስ ኣብ ኤርትራ

Radio Erena: 06 November 2015

Facecat

     ሓደ እዋን’ዮ ጎብየን ነብርን ብሓደ ጉዳይ ተሰሓሓቦም ይብሃል። ሓደን ክልተን ምብሃሎም ኣብ ቅድሚ ጉባኤ እንስሳ ዘገዳም ነበረ። ጎብየ ብድፍረት ምስ ነብሪ ተመላለሰን ክሳብ ኢድ ብኢድ ንምግጣም’ውን ተመጣጠረን። እኒ ህበይ፣ ጊሐን ወኻርያን ገላጊለንኦም ከኣ ከይተፋለሙ ብምፍኽኻር ክፋነዉ ከኣሉ።

     ድሕሪ ሓያሎ መዓልታት፣ ጎብየን ነብርን ከም ወዝቢ ኣብ መንቀራቕሮ ጎደና ፊት ንፊት ተጓነፉ።

     ነብሪ እናሓንሓነ…፣

 

     “ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ከምዚ ቢልካ ዝዘንጠልካኒ ሲ ስለምንታይ’ዩ፣ በል ሃየ ንዓ ሕጂ ግጠመኒ፣” በሎ።

     “በል፣ ሓንሳእ ዕድል ሃበኒ፣” ቢሉ ጎብየ መሬት ናብ ምጽሕታር ኣተወ። 

     ዑብ ዝብል ደሮና ክሳብ ዝበንን ከኣ ንመሬት ጻሕተሮ። ጻሕቲሩ ብዝወድአ፣

     “እነኹልኻ ሕጂ ቅተለኒ በለ፣” ጎብየ።

     ነብሪ ተግባር ጎብየ እናግረሞ፣

     “ክቀትለካ ምዃነይ እናፈልጥካ ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ እንስሳታት ዘገዳም ዝደፈርካኒ? እዚ ሕጂ ዝጻሕተርካዮ ደሮና ኸ ንምንታይ’ዩ?” ሓተተ።

     “ጃጃዊ ከይብሃል ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ደፈርኩኻ። ክትቀትለኒ እንተበልካ ድማ ዝገላግሉ ኔሮም። እንተ ሕጂ ግን ዝገላግል የለን’ሞ ክትቀትለኒ ትኽእል ኢኻ፣ ግና ብዝቀተልካኒ፣ ተቓሊሱ’ዮ ሞይቱ መታን ክብሉኒ’የ ነዚ ደሮና’ዚ ዝጻሕረትኩ፣” ኢሉ መለሰ ጎብየ ይብሃል።

     እዚ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ መልክዕ ቀሪቡ እንረኽቦ ዛንታ’ዩ። ጎብየ ናይ ሓሶት ታሪኽ ክገድፍ ደለየ። ኣብ ስነ ጽሑፍ ኣፍሪቃ፣ ኣውራ’ኳ ኣብቲ ኣፋዊ፣ ጎብየ ብመታለሊ’ዩ ዝፍለጥ።

     ጎብየ ከምዘይዕወት ርጉጽ ነገር’ዩ። ምናልባት እንተዝዕወት ንውዕሎ ምስ ነብሪ ከመይ ምግለጾ፣ እዝግሄር ዋንኡ።

Leo and To

     ታሪኽ ዝተዓወተ’ዩ ዝጽሕፎ። እቲ ዝተዓወተ ከምዝማእምኦ ክስንዶ ይኽእል። ነበብቲ’ዚ ታሪኽ ናብ ዝተፈላለየ መደምደምታ ክበጽሑ’ውን ይኽእሉ። ስለዚ፣ ታሪኽን ወለዶታትን ክራጸሙ ምርኣይ ኣብ ታሪኽ እዛ ምድሪ ሓድሽ ነገረ ኣይኮነን።

     ኣጼ ዮሃንስ፣ ናብ መረብ ምላሽ ምስፍሕፍሑ ከም ኣብነት እንተወሰድና፣ ንዝህቢ መረብ ምላሽ ጎዲኡ ዶ ጠቒሙ ንባዕሉ፣ ንተመራመርቲ ታሪኽ ዘየሰሓሓበ ኣይኮነን።

     ናብ ሰምሃር፣ ዓንሰባን ባርካን ዘዘንበለ ታሪኻዊ መጽናዕቲ፣ ኣጼ ዮሃንስ ኣንጻር ምስፍሕፋሕ እስልምና ዝተንቀሳቐሰ ወራሪ’ዩ ክብሎ ይኽእል’ዩ። ኣብ ከበሳታት ግና፣ ኣጼ ዮሃንስ፣ ብመንገዲ’ቲ ናብ ኤርትራ ዝልኣኾ ሓለቃ ሰራዊቱ፣ ራእሲ ኣሉላ ኣቢሉ ንእምነት ኦርቶዶክስ ካብ ወራር እስልምና ዝተኸላኸለ’ዩ።

     ኣጼ ዮሃንስ፣ ነዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ፣ ንገለ ክፋላ ኣብ ሓደ እዋን ወራሪኣን ተኸላኻሊኣን እንተኾነ’ምበር ናይ ታሪኽ ኣናብባና ጥራይ’ዩ እቲ ፍልልይ። ሕጂ ዘለዉ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ደሞክራስያውያን ዘይኮኑ፣ ኣጸ ዮውሃንስ ብፍላይ እኳ ንገለ ክፋል ኤርትራ ከመሓድር ዝለኣኾ ራእሲ ኣሉላ ደሞክራስያዊ ክነብር ንጽበዮ ኢና ኣይብልን።

     ኣጼ ዮውሃስን፣ ቀልቡ ምሉእ ናብ መረብ ምላሽ ምዝባሉ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዓቢ ክሳረ ምንባሩ ከኣ ‘ባ ረሲዕና። ሓይሉ ዘበለ ናብ መረብ ምላሽ ምዝዛውዉ፣ ግዳይ ተበለጽቲ ከምዝገበሮ ታሪኽ ኣየንበብናን ዲና? ንኣስታት ሚእቲ ዓመት ስልጣን ብራእስታት ኣምሓራ ክዕብለልን ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ጭቖና ዓብለልቲ ክኸውንን፣ ኣበርክቶ መረብ ምላሽ ቀሊል ኣይነበርብን። ሓይሉ ዘበለ ስግር መረብ እንተዘደላድል፣ ብመተማ ዝመጸወ ወራር ይኩን ካብ ሽዋ ዝነቀለ ውዲት ከፍሽሎ ምኽኣለ ተባሂሉ’ዩ ዝጽወየሉ። ዮሃንስ ናብ መረብ ምላሽ የቛምት፣ ራእስታት ኣምሓራ ኸኣ ናብ ስልጣን ዮህንስ የቋምቱ።

     መረብ ምላሽ ንራእስታት ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራ ይኩኑ ትግራይ ዕረፍቲ ዘይሃበ ክፋል እዛ ምድሪ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ናይ 100 ዓመት ዕብለላ ራእስታት ኣምሓራ፣ ስልጣን ዮሃንስ ከምልስ ክኢሉ ኣሎ። ታርኽ ዮሃንስ ከይደግም’ሞ፣ ቀልቡ ዘበለ ናብ መረብ ምላሽ ዘቢሉ፣ ስልጣኑ ንክዕብልልዎን ክጭቑንዎን ዘኽእሉ ብሄራት ከየረክብ ዝትንትኑ’ውን ኣይተሳእኑን።

     ብዝኾነ፣ ታሪኽ ከመይ ኢና ንርድኦን ንገልጾን ክፉት መድረኽ ኣለዎ።

                                            +++++++++++++++++++++++

 coper

     ኮፐርኒከስ፣ ኣብ ዑደት መሬትን ጸሓይን?

     መሬት ድያ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ወይስ ጸሓይ’ያ ኣብ ዙርያ መሬት ትሕንበብ? እቲ ምሕንባብ ወይ ምኹላል ምስ ሳዕስዒት ትግርኛ ዝመሳሰል ምስ ምዃኑ፣ ብዙሕ ምብሩሁ ኣየድልን።

     ኣብ ምድረ ኤውሮጳ፣ ፍልጠት ዘበለ ብቤተክርስትያንን ተባሒቱ ዝነበረሉ እዋን’ዩ። ዑደት መሬትን ጸሓይን ከም እንቋቁሖ ዶ ደርሆ ትቕድም ዝቑጸረሉ ዝነበረ ግዜ።

    ቤትከርስትያን ገባሪትን ሓዳጊትን ስለዝነበረ፣ “ጸሓያ’ያ ኣብ ዙርያ መሬት ትሕንበብ፣” ዝብል እምነት ሒዛ ደሪቃ ነበረት።፣ ንእብራዊ ሙሴ ዝተክአ ኢያሱ ዝተባህለ ጦረኛ መራሒ ህዝቢ እስራኤል፣ ንጸላእቱ ክሳብዕ ዝቕጥቕጥ፣ ንጸሓይ ኣብ ጊብዖን ደው ክትብል ኣዘዛ ካብ ዝብል ጥቅሲ ቅዱስ መጽሓፍ፣ ዝተወስደ’ዩ ዝኸውን መበገሲ እምነታ።

     “ሽዑ በታ እግዚኣብሔር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፣ እያሱ ንእግዚኣብሔር ተዛረቦ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፣ ኣቲ ጸሓይ፣ ኣብ ጊብዖን      ደው ኢልኪ ጽንሒ፣ ኣንቲ ወርሒ’ውን ኣብ ለሰ ኣያሎን። ሽዑ እቲ ህዝቢ ሕነ ክሳብ ዝፈዲ፣ ጸሓይ ቆመት፣ ወርሒ’ውን ደው በለት። ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ     መዓልቲ ቆመት። ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን። እግዚኣብሔር ንደቂ እስራኤል ተዋጊኡሎም’ዮ’ሞ፣ እግዚኣብሔር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ፣ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለተ፣ ቅድሚ ኮነ  ድሕሪኣ ኣይነበረትን።” መጽሓፍ ኢያሱ 10፣ 12-14

     ኢያሱ ወዲ ኔዌ፣ ጸሓይ ደው ክትብል ካብ ኣዘዘ፣ ጸሓይ ደኣ’ምበር መሬት ቀዋሚት ኣይኮነትን ናብ ዝብል ፍልስፍና’ዩ ኣምሪሑዋ ንቤተክርስትያን። እንተ ናይ ወርሒ ዝግድሶም ኣይነበረን።

     ጸሓይ ኣብ ጊብዖን ደው ናይ ምባል ተኣምራት፣ ቅድሚኡ ኮነ ድሕሪኡ ከምዘይተገብረ’ውን ይጠቕስ’ዩ እቲ መጽሓፍ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰር ኢያሱ ተኸቲሉ፣ ንጸሓይ ኣብ ባድመ ደው ከብላ ኣዚዙ ነበረ። እንተስ ኣብ መጻሕፍቲ ዝርከቡ ተኣምራታት ዘይድገሙ ኮይኖም፣ እንተስ ቅድምን ድሕርን ኢያሱ ወይ ሞት ሓንጊዳ ጸሓይ፣ ንክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጸሓይ ደው ኣይበለትሎምን ኣብ ባድመ።

     ኢያሱን ክቡረ ፕረዚደንተን ብዓይኒ ኮፐርኒከስ ህልም ዝበሉ ዓያሱ’ዮም። ምኽንያቱ ጸሓይ ኣብ ዘላቶ ደው ምስ በለት’ያ። መሬት’ያ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ሸኾርተት እናበለት፣ ዕራርቦን ወጋሕታን ከምዝህሉ ዝገበረት።

     ነገስታትን መራሕትን ንጸሓይ ምስ ውግእ ከተኣሳስርዋ ዝፍትንሉ እዋን ሒደት ኣይኮነን። ኣብዛ ዓለምና፣ “ካብ ጸሓይ’ዩ መበቆለይ”፣ “ናይ ንጉሰ ጸሓይ’የ” ዝብሉ ነገስታት’ውን ርእያ’ያ። ጸሓይ ኣብ ዙርያ መሬት ዶ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ትሕንበብ ግና ግዳ’ውን ኣይነበሮምን።

     ኮፐርኒከስ፣ ነዚ ጽኑዕ እምነት ናይታ ጥንታዊት ቤተክርስትያን ክቕይር ዋጋ ኣኽፊልዎ’ዩ። ቤተክርስትያን ኣብ ጌጋኣ’ውን እንተኾነ እምንቲ’ያ። ንእምነታ ዘነቓንቕ ሓድሽ ሓሳቢ ከኣ ሓድው ይሕነቕ፣ ሓደው ብህየቱ ይነድድ፣ ሓደው ይስየፍ። ኮፕርኒከስ በዚ መስርሕ እዚ ክሓልፍ ግዲ ኮኖ። ንቤተክርስታን በዲሁ ከኣ ሓለፈ። እዛ ናይ ሎሚ ቤተክርስትያን፣ ኣብ ናይ ቀደም እምነታ የላን። እምነት ኮፐርኒከስ ስዒሩዋ’ዩ። “ጸሓይ ወትሩ ደው ምስ በለት’ያ፣ መሬት’ያ ዘዋሪት፣” እምነታ ቀየረት ቤተ ክርስትያን። መሬት ዘዋሪት ጥራይ ኣይኮነትን ኣሻራዊት’ያ’ውን። ሓንሳእ ዝባና ሓንሳእ ከኣ ፊታ እናሃበት’ያ ትነብር።

     ንእምነት ቤተክርስትያን ኣብ ዑደት መሬትን ጸሓይን ዝበደሃ ኣተሓሳስባ ኮፐርኒከስ፣ ንሓያሎ ሓሰብቲ ጸልዩ’ዩ። ሕብረተሰብ ንዓመታት ነኺስዎም ንዝጸንሐ ሓሳባት ክቕየር ዝብገስ ጽኑዕ ሓሳብ ከኣ’ዩ “ኮፐርኒካዊ ሰውራ” እንብሎ ዘሎና።

     ነዛ ሓረግ ፈለማ ዝተጠቕመላ ጀርመናዊ ፍላስፋ ኢማኑኤል ካንት’ዩ።

     ኣዳም ምእንቲ ሓድሽ ፍልጠት ዋጋ ከፊሉ። “ኣይፋሉን! ሄዋን’ያ ዋጋ ዝኸፈልት፣” ክምጉታ ይኽእላ’የን ደቂንስትዮ። ኮፐርኒከስ’ውን ኣሰር ሶቕራጦስን ክስርቶስን ስዒቡ። ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ ንምምጻእ መስዋእቲ ከፊሉ።

 

                                             +++++++++++++++++

 jet eau

     ኣብ ሃታሃታ ስለዝነበርኩ፣ ኣብ ጀኔቫ ዝነብሩ ፈልጥተይ ከይረኸቡ’ዩ ካብታ ከተማ ክወጽእ ሓሲበ። ጄኔቫ፣ ብዙሕ ዝርአ’ውን ስለዘይብላ፣ ናብቲ ዝሕንበብ ማይ ዝርከበሉ ገማግም ወሓዚ’የ ኣቢለ። እዛ ንእሽቶ ሃገር እልቢ ዘይብሎም ወሓይዝ ምስ ጎረባብታ ኣተኣሳሲሮማ’ዮም። ኤርትራውያን ነበርቲ ስዊዘርላንድ ባሕሪ’ዮም ዝብልዎ። ስዊዘርላንድ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ምዃና ዝፍለጡ እቶም ዝወሓዱ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብዝኾነ ናብቲ ንላዕሊ ዝውንጨፍ ማይ ዝርከበሉ ገማግም ወሓዚ የምርሕ ኣለኹ።

     እዚ ወሓዚ’ዚ ንፈረንሳን ስዊዘርላንድን ዘራኽብ’ዩ። ነዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዘረሓሓቐን ንላዕሊ ዘፋቐርን’ዩ ዝበዝሕ፣ ዋላ’ካ ጀኔቫ ናይ ፍቕሪ ከተማ እንተዘይኮነት። ጄኔቫ ናይ ፖለቲካ ከተማ’ያ። ሓንካስ መንበር ሕቡራት ሃገራትን ጥንታዊ መንበር ቀሺ ካልቪንን ሓወልታታ’ዮም። ኣብ ጄኔቫ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ጻት ንጻት እዛ ንእሽቶ ሃገር፣ ኣብ ገጠራታ ይኹን ከተማኣ፣ ኤርትራዊ ጎፍ ከይበለካ ምሕላፍ ኣይሕሰብን። ንእግረ መንገደይ’ውን ክልተ መናእሰይ ጎፍ በሉኒ።

     ተወልደ ካብ ኣስመራ ኣትሒዝና ጽቡቕ ኢና ንፋለጥ። እቲ ካልኣይ’ዩ፣ በዓል ዘመናዊ ጋዕሲ፣ ካብ ገጠራት ኤርትራ ዝመጸ ምዃኑ የፍልጥ።

     ሻሂ ወይ ቡን እንተዘይሰተና ስለዝበሉ፣ ናብ ጥቓና ዝነበረ ቤት ሻሂ ኣምራሕና። ተሃዊኸ ከምዘለኹ ስለዝሓበርኩ እንተዘይኮይኑ፣ ናብ ናይ ሓበሻ ባር ከንቕዱኒ’ዮም ወሲኖም። ዝኣዘዝናዮ ቡንን ሻሂን ገና ከይመጸ፣ ድሮ ዕላል ፖለቲካ ጉሂሩ’ዩ። እዛ ዓለም ክንደይ ተዓሊሉ ዘይተወደአ ነገር ኣለዋ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ኤርትራውያን እቲ ዝበዝሐ ዕላልና ፖለቲካ ቀመስ’ዩ። መኣዝ ዕላላቶም እዞም ሰብ ጀኔቭ ካበይ ዝተበግሰን ናበይ ከምዘበልን ኣይሰሓትኩዎን፣- ስማዕ’ስኪ ተወልደ፣-

     “ጸሓይ ድያ ኣብ ዙርያ መሬት ሸንኮለል ትብል ወይስ መሬት?”

     “እዋእ እንታ ሓሚምካ ዲኻ፣ እንታይ ደኣ ናብ ድሕሪት”

     “ኖ! ከመይ ገርካ ከምዘረጋገጽካ’የ ክፈልጥ ደልየ፣”

     “ምርግጋጽ ደኣ ከመይ ጌረ ከረጋግጽ፣ ስነ ፍልጠተኛታት ኢሎሙና’ምበር”

     “ኢሎሙና’ምበር” እትብል ነጥቢ ሒዘ፣

     “እዞም ስነ ፍልጠተኛታት፣ ተጋጊና ኔርና፣ ጸሓያ’ያ ኣብ ዙርያ መሬት ተሽኮንድድ እንተሎሚና’ውን ክንኣምኖም ኢና ማለት ድዩ?”

     “እዋእ እንታይ ደኣ ምርጫ ኣሎና፣ ፈቲና ጸሊእና ዝበሉና ኢና ክንቅበል፣” ተወልደ ደምደመ።

     እሞ በሉ ኣብዚ ርዒምና ኣሎና። እንተወሓደ ጸሓያ ኣብ ዙርያ መሬት ትሕንበብ ዝብል ስነ-መጎት ደጊሙ ክሳብ ዝስዕር።

     ሕሳብ ሻሂን ቡንን ኣብ ምኽፋል ምውጣጥ ኮነ። ሕጂ’ውን ፖለቲካ ክሳዕ ዝመስል። ካብ ካልእ ክፋል ኤውሮጳ ንዝመጸ ገያሻይ፣ ዋጋታት ስዊዘርላንድ ዝቕረብ ኣይኮነን። ተወልደ፣ ፓሪስ ምስ መጻእና ትጋብዘና ስለዝበለ፣ ምውጣጥና ብኡ ተዛዘመ።

 

                                            ++++++++++++++++

coper2
     ስነ-ፍልጠት ብመጽናዕት ክስነን ክረጋገጽን ኣለዎ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ሳይንስ ዘለዎ ኣበርክቶ ማዕረ ዜሮ ምዃኑ ጥራይ ከይኣክል፣ ንዝቐረበሉ ፍልጠት’ውን ዘረጋግጸሉ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ። ፈረንሳውያን ተመራመርቲ ሕክምና፣ ጉድኣቱ ይመዝን ኢሎም ኣብ ፈረንሳ ዝኸልከልዎ መድሃኒታት ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ማዕረ ቆሎ ይውሰድ ምህላዉ እኹል መርትዖ ኮይኑ ይስምዓኒ። ፋብሪካታት መፍረ መድሃኒ፣ ዝዓመረ ዕዳግአን ኣብዛ ምርምር ከካይዱ ዘይክእሉ ዜጋታት ዘለዋ ኣፍሪቃ’ዩ። ምስ ብድዐን ጸርፍን ኣይትጸብጽቡለይ።

     ኣብ ታሪኽ ምምጓት ኣፍሪቃውያን ሰናፋት ኣይኮናን። ወዮ ደኣ ነዛ ኣህጉር ረሚስዋ ዘሎ ዝበዝሐ ምኽንያት ሕሉፍ መግዛእቲ’ዩ እናበልና፣ ሀ ሁ ክደግም ንውዕል ኮይና’ምበር።

     ፕረዚደንት ኢራን ነበረ ኣሕመዲነጃድ፣ ኣብ ኤውሮጳ ተፈጺሙ ዝተባህለ ህልቂት ኣይሁዳውያን “ሆሎኮስት” ጽውጽዋይ’ዩ ምባሉ ዓለም ኣዛሪቡ’ዩ። ኣሕመዲነጃድ፣ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓድሽ ሓሳብ ምንቃሉ ኣይጸላእክዎን። ንሓሳቡ ብመርትዖ ከሰንዮ ደኣ ኣይከኣለን’ምበር።

     ፈረንሳ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ሰውራታት ኣካይዳ ክብሃል ሰሚዕና ንኸውን ኢና። ድሕሪ’ዚ ሰውራታት እዚ፣ ኣብ ታሪኻ ዓቢ ስፍራ ሒዞም ካብ ዘለው ዜጋታታ ቻርለስ ዲ ጎል’ዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎደና እትረኽቦ ስም’ዩ። ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ እዛ ሃገር’ውን ብስሙ’ዩ ዝጽዋዕ።

     “ንፈረንሳ ዘድሓነ ሰውራዊ’ዩ” እናተባህለ ዝልገሰሉ ሞገስ እቲ ዝበዝሐ’ዩ። ንታሪኽ ዲ ጎል ምቁንጻብ ነውሪ’ዩ ዝነበረ። ነውሪ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ዘሎካ ተራ’ውን ዘቕንስ’ዩ። ሎሚ ዘለዉ ፈረንሳውያን ሓሰብቲ፣ እንተስ ንሕማቕ እንተስ ንጽቡቕ ንዲ ጎል ካብ ንጉስ ሊዊን ናፖልዮንን ፈልዮም ኣይርእይዎን። ሰውራ ፈረንሳ ንናይ ቀደም ክብርታት እዛ ሃገር ደምሲስዎ’ዩ ዝብሉ’ውን ብዙሓት’ዮም። ሰማዒ እንተረኪቦም። ዝተዘንግዐ ሓቂ ግና ኣሎ። ሓደው ኣብዘይ ግዜኡ ሓደው ከኣ ኣብ ዘይቦትኡ ይብልዎ ምህላዎም።

 

                                  +++++++++++++++

 

     ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብፍልጠት ዝዳረጎ ሰብ ከምዘይሎ ክዝረብ ሰሚዒኩም ዶ ትፈልጡ። ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣውራ’ኳ ኣብ ናይ ጠፈር ዘለዎ ፍልጠት እናሻዕ ይደጋገም ግዲ ኮይኑ፣ ብዝያዳ ከነስተብህል ሓጊዙና ይኸውን። ጸሓይ፣ ወርሒን ኮኾብን መሰነይታ ሓረጋቱ’የን።

     ተቓወሞ ኤርትራን ወርሒን ዘተሓሓዘሉ እዋን’ሞ ዘክሩ። ቋንቋ ትግርኛ ዋሕዲ ናይ ጠፈር ቃላት ከምዘለዎ ዶ ኣስተብሂልኩም። ወርሓዊ ደሞዝ፣ ወርሓዊ መቑነን፣ ወርሓዊ ተቓውሞ….ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 30 መዓልታት ቆጺርና እንጽብጽቦ ግዜ’ዩ ዝኸይድ። ብጸላም፣ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ተንጠልጢላ፣ ኣይ ደሚቕ ኣይሃሳስ ብርሃን እትልግስ ጠፈርተኛ ኸኣ’ባ ኣላ። ወርሒ። ንምንታይ ምዃኑ ኣይፍለጥን ካብ ወርሒ ምባላ ብቋንቋ ዓረብኛ ‘ቀመር’ ምባላ ባህ ይብለኒ። ምናልባት ስም ናይ ብልቢ ዝፈትዋ መሓዛ ወላዲተይ ስለዝኾነ’ዩ ዝኸውን።

     ክቡር ፕረዚደንት፣ ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዶ ለውጢ’ባ ትሓስቡ እንተሊኹም፣ ኣብ ወርሒ ኢኹም ዘለኹም’ዮ ዝብል ዘሎ። ኣዚኹም ርሒቕኩም ኣለኹም ማለት ዶ ይኸውን? ወርሒ ‘ባ ካብ መሬት ክንደይ’ያ ትርሕቕ?

     እዚ መልእኽቲ’ዚ ካብ ርሑቕ ሃገራት ብፓልቶክ፣ ፌስቡክን ሬድዮታትን ለውጢ ንምምጻእ ንዝጽሕትሩ ዘለዉ ‘ናይ ወረቀት ኣናብር’ ዝቀንዐ’ዩ። ማኦ ዘዱንግ ሎሚ ብህይወት እንተዝነብር፣ እታ ናይ ወረቀት… ናብ ናይ ፌስቡክ… ምቐየራ ግዲ። ክቡር ፕረዚደንትና’ውን መሰል ደራሲ ክሕሉ ደኣ ኢሉ’ ምበር ናይ ፌስቡክ ኣናብር ምባል ሲ ጨኒቕዎ ኣይኮነን። በዚ ኢልካ በቲ’ሲ ካብ ፌስቡክ ዝወጸ ካልእ ነብሪ የድሊ ምህላዉ እንታይ ግድኹም።

     ለውጢ ካበይ? ብመን? ብኸመይ ይመጽእ? ኣብ ሰውራውያን ንዘመናት ዘናቖተ ክትዕ’ዩ። ሓረስታይ፣ ሸቃላይ፣ ወትሃደር፣ ተማሃራይ፣ ስደተኛ፣….መምስክውንነት እናተኣትወ፣ ንለውጢ ቀዳሚ ዝጽዋዕ ኣካል ሕብረተሰብ’ዩ። ለውጢ ብጠበንጃ፣ ለውጢ ብፌስቡክ፣ ለውጢ ብሬድዮታት፣ ለውጢ ብሰለማዊ ሰልፊ…እዚ’ውን ንዘተ ክፉት’ዩ?

     ብዝኾነ፣ ንለውጢ ክመርሕ እትጽበዮ ኣካል ሕብረተሰብ፣ መን’ዩ ስለምንታይ ተመሪጹ፣ ካበይ ኮይኑ ኸኣ’ዩ ነቲ ለውጢ ከምጽኦ፣ ብኸመይ ንሓሰብቲ ዶ ክንገድፎ? ለውጢ ወይ ሰውራ ሓሰብቲ’ዮም ዝመርሕዎ። እቲ ዝበዝሐ፣ ዘይሓስብ፣ ተመራሓይ ክኸውን ናይ ግድን’ዩ።

     ኮፐርኒከስ፣ “መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓያ’ያ ትዘውር” ክብድህ እንከሎ ኣብ መሬት ኮይኑ’ዩ። “ኣብ ጸሓይ ደይብካ ዶ ርኢኻ’ያ ኢኻ?” ዝሓተቶ ኣይነበረን። ብኸመይ ደኣ በጺሕካዮ ንዝብል ግና ዘእምን መርትዖታቱ ኣቕሪቡ ኣሎ። ከንብብ ዝደሊ፣ ፈቀድኡ ክርኽቦ ይኽእል’ዩ።

     ለውጢ ብጠበንጃ ዝመጸሉ እዋናት ፋሽኑ ወዲቑ’ዩ ዝበሉ ሓሰብቲ፣ ንጠበንጃ ዝትክእ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከናድዩ የድልዮም። ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ- ‘ኣይ.ኣር.ኤ’፣ ኣብ ዞባ ባስክ ናይ ስጳኛ ከኣ ‘ኤታ’፣ ናይ ጠበንጃ ሰውራታቶም ናብ ወረቓቕቲ፣ ምናልባት’ውን ናብ ፌስስቡክ መኺኹ ምህላዉ ‘ባ ስለምንታይ’ዩ?

     ብዙሓት ህዝብታት እዛ ምድሪ፣ ኣንጻርን ደገፍን ታሪኽ እናላዕሉ፣ ንለውጢ ዝቕስቕስ ሓሳባት ከፍልቑ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ኣብ ዘመነ ፌስቡክን ፓልቶክን ዝገነነ እንተመሰለ።

     ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ’ዩ ኔሩ። ዝበዝሐ ዝፍልጦ፣ ኣብ ታሪኽ ዝተሰነደ፣ ዘይተኸወለ ሓቂ’ዩ። ኢድሪስ ዓዋተ ዝብሃል ሰብ’ውን ኣይነበረን ኣብ ኤርትራ ዝብል’ውን ክህሉ ይኽእል። ጀማሪ ሰውራ ኤርትራ ኣይነበረን’ውን ከምኡ። ሰውራ ኤርትራ ደኣ መን ጀመሮ? ብኸመይ? ወይስ ከም ቃንጥሻ’ዩ ባዕሉ ኣብ በረኻታት ቦሎኽ ኢሉ። እቲ ዘገድስ ከ ቃልሲ ምጅማሩ ድዩ ወይስ መን ጀመሮ’ዩ? መጽናዕቲ’ሲ ክቐርብ ደኣ ኣለዎ።

     “ሰውራ ኤርትራ ብላሽ’ዩ፣” ዝተጣዕሱ’ውን ክንሰምዕ ንኽእል። ምጥዓስ ነውሪ የብሉን። እንተስ ማካቬላዊ እንተስ ክርስቶሳዊ ኣካይዳ ተኸቲሉ፣ ሓደ ካብ ዘንቀዶ ገዘፍቲ ዒላማታቱ ኣተግቢሩ ዶ ግና ዝከሓድ ኣይከውንን። እቲ ዒላማ መዓስን ኣበይን ይመዘን ከኣ፣ ናቱ ግዜ ኣለዎ።

     ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ምሓሾ ኔሩ? እሞ እንታይ ደኣ ኮይኑ፣ ተፈልዩ? ጉዳይ ባንዴራ ኸኣ’ባ ተረሲዑ። ህዝቢ ኤርትራ እታ ናይ ቀደም ሰማያዊት ዶ እዛ ሕጂ ዘላ፣ ኣየነይቲ ባንዴራ ከምዝመርጽ ረፈረንዱም ኣየካየደን? ስለምንታይ? መልሲ ዘድልዮ ሕቶታት መሊኡ’ዩ። መን’ዩ ክምልሶ ሕጂው’ን ንሓሰብቲ ንግደፎ።

     ኣብዚ ዝተላዕለ ሕቶን ክትዕን ዝመስል ነጥብታት ግና ሓድሽ ነገር የበሉን። ንነገረኡ’ውን ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ዝብሃል ነገር ከምዘየሎ ጠቢብ ሰሉሙን ምዒዱና ኔሩ’ዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ሕጂ ይስማዕ እናተባህለና ግዳ ክንጸምም መሪጽና ኣሎና። ጠቢብ ሰለሙን፣ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ፣” ምባሉ ጸሓይ ቀዋሚት ቅድሚ ሰቡ ዝነቕሐ ይመስል።

     እምበኣር ሓድሽ ነገረ የሎን። ኩሉ ዝደጋገም’ዩ።

     ኔልሰን ማንዴላ ሓደ እዋን፣ ናዕበኛ፣ ኣሸባሪ ይብሃል ምንባሩ ኸ ትዝክሩ ዶ? እንተዘየርኪብኩምሉ’ሲ ኣንቢብኩሞ ትኾኑ ግዲ። ደሓር ከኣ ኣቦ ሰላምን ዕርቕን ዶ ተሰምዩ ሓቐይ? ቢንላደን ሞት እንተዘይትቕድሞ’ውን ሓደ እዋን፣ ሓርበኛ ተቓላሳይ፣ ኣቦ ውጹዓት ህዝቢ ፍልስጤማ ምተባህለ ይኸውን? ኩሉ ምስ ግዜን ቦታን ይቕየር’ዩ። ግዜን ቦታን ኣብ ስነ ፍልጠት ዓቢ ቦታ’ዩ ዘለዎ። ታሪኽ ከ’ባ ስነ ስልጣት ድዩ?

 

                                            ++++++++++++++++++++

 pen

     ንህዝቢ ሩስያ ብዛዕባ ዝሓለፎ ሰውራን ባህርያት ስታሊንን ከረድእዎ ዝጸዓሩ ሓሰብቲ ነበሩ። “ኣብ እዋኑ ስታሊን ኣድልዩ። ኣብ ዘየድለየሉ እዋን ከኣ ኣብቂዑ፣” ምላሽ ናይ ዝበዝሑ ሩስያውያን’ዩ። ሰውራ ሩስያ ኣበር ኣይነበሮን ክብል ዝደፍር ሩስያዊ ኣይርከብ። ሰውራ ፈረንሳ’ውን ከምኡ። ሰውራታት ደቡብ ኣመሪካን ርሑቕ ኤስያን’ውን ተመሳሳሊ። መላእኽቲ ዘካየድዎ ሰውራ’ውን፣ ወዮ ደኣ ኣይተዓወተን’ምበር፣ ኣበር ዘይብሉ ሲ ኣይምኾነን። መላእኽቲ’ውን ኣበር ዘለዎም ምዃኖም ቅድስ መጽሓፍ ባዕሉ ስለዝዛረብ።

     ኣብ ደቡባዊ ክፋል ፈረንሳ እትርከብ ደሴት ኮርሲካ፣ ኣካል ፈረንሳ ኣይኮናን ዝብሉ ሓሰብቲ ካብ ዝልዓሉዋ ሒደት ኣይገበረን። ኣይ ምስ ኢጣልያ ኣይ ምስ ፈረንሳ በይኖም ምዃኖም፣ ታሪኽ እናበርበሩ ንናጽነት ይሓቱ’ዮም። በንጻሩ፣ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ዝርከባ፣ ግዝኣት ፈረንሳ ዝኾና ንኣሽቱ ደሴታት፣ ናጽነተን ክረኽባ ዶ ወይስ ግዝኣት ፈረንሳ ኮይነን ክቕጽላ፣ ህዝበን ረፈረንዱም ኣካይዱ፣ ምስ ፈረንሳ ክጸንሕ’ዩ ወሲኑ። ሓሰብቲ ንታሪኽ እዚ ህዝቢ እዚ እናበርበሩ፣ ንናጽነት ንምድፍኡ ዘይፍንቕልዎ እምኒ የለን። ንእትወጽ ሓሳብ ብጎነጽ ዝቓወም’ውን የለን። ንሓሳብ ብሓሳብ ጥራይ’ዩ እቲ ተቃውሞ።

     ምጽውዋር ኣብ ዘማዕበለ ጭዋ ህዝቢ፣ “ሓድሽ ሓሳባት ኣሎኒ” ንዝበለ ሓሳቢ ኣሹምባይ ዶ ጎነጽ፣ ጸርፍን ዘለፋን’ውን ቦታ የብሉን። ናይ ፌስቡክ ኣናብር’ውን፣ ኣጻብዖም፣ መላጉም ፊደላት ክጥውቓሉ ደኣ’ምበር ሓሳቦም ንዝቓወም ክፍሕጥሩ ኣጽፋሮም ከንውሑ ሲ ዓገብ።

     ፖላንዳዊ ኒኮላስ ኮፐርኒከስ፣ “መሬት’ያ ኣብ ዙርያ ጸሓይ’ያ እትሕንበብ” ቢሉ፣ ንዘመናት ከም ሓቂ ንዝተወስደ ፍልጠት ኣብ ዝበድሃሉ፣ ዝጻረር መርትዖ ዝነበሮም፣ ሓሳባቶም ዘፍሰሱ ኔሮም። ፍልጠት ዘበለ ኣባይን ካባይን’ዩ ዝእምነታ፣ ቤተክርስትያን ግና ጎነጽ’ያ መሪጻ።

     ኤርትራዊ’ውን ምናልባት ኮፐርኒካዊ ሓሳብ እንተልዓለ ኸ? ሓሳባት ሲ ይውሓዝ ደኣ። ንሓሳብ ብሓሳብ ንምቅዋሙ ከኣ ይዓንብብ! ሓያል ሕብረተሰብ ብዝጸዋወር ሕብረ-ብዙሓዊ ሓሳባት’ዩ ዝህንጸ። ሓንትስ ኮፐርኒካዊ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ሓድሽ ሓሳብ ዘፍልቅ ደኣ ይረኸብ ‘ምበር።

     እሞ ሃየ በሉ፣ ጸሓይ ድያ ኣብ ዙርያ መሬት ወይስ መሬት’ያ ኣብ ዙርያ ጸሓይ እትሕንበብ?

 

ዕባይ ኣኽርያ
ፓሪስ

05 ሕዳር 2015

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0