ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት መራሕትን ወከልትን ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ክሳተፉ’ዮም

ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት መራሕትን ወከልትን ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ክሳተፉ’ዮም

Radio Erena: 09 November 2015

Malta

ኣብ ማልታ ኣብ ዝካየድ ንዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂሰብ ዝምልከት ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ኣስታት 50 መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ ናይ እትርከበን ወከልትን ክሳተፉ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብዚ ንሮቡዕ11ን ክሳብ ሓሙስ 12ን ሕዳር ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ፕረዚደንት ናይታ ዜጋታታ ብብዝሒ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክሳተፍ ዕድመ እኳ እንተቐረበሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ከምዘይሳተፍ ይግለጽ ኣሎ።

 

ኤርትራ ንእትርከበን ዜጋታትን ናብ ስደት ዝውሕዙ ንዘለዉ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ኣስታት 1.2 ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ሰሊዑ ዘሎ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዋዕላ ብፍላይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት መራሕቲ ናይ ተመሳሰልቲ ሃገራትን ንምዝርራብ ውጥን ከምዝነበሮ’ዩ ዝንገር።

ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ዋዕላ ከመይሳተፍን ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወከለ ልኡኽ ናብ ማልታ ከምርሕ ትጽቢት ከምዘሎ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ሰሊዑ ምስቲ መንግስቲ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ብሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብ ማልታ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት ብዝምልከት ሓባራዊ ኣህጉራዊ ንቕሓት ንምፍጣርን፣ ብሕእባር ንምግትኡ ድማ ተበግሶ ንምውሳድን ዝዓለመ’ዩ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0