ሰውራ ቀይሕ ነቢት

Radio Erena: 10 May 2017

France 1

     እምባደርሆ ኣብ ምድረ ሓማሴን፣ ዝባን ካርነሽም እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ’ያ። ስለምንታይ እምባደርሆ ተሰይማ ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ ሓሲበ ኣይፍልጥን። ነገረ ስም ዓድታት ብኣጋጣሚ ወይ ከኣ ብሓደ ፍጻሜ ዝተዋህባ’ዩ ዝኸውን። ደቂ ‘ምባደርሆ ታሪኽ’ዛ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተደኵና ዘላ ዓዲ ከዘንትዉልና ይኽእሉ ይኾኑ። ዓዲ ደርሆ ዝብሃላ ካልኦት ዓድታት’ውን ኣብ መላእ ኤርትራ ኣይስኣናን’የን። እዛ ሕጂ ሪፖብሊክ ፈረንሳ እትብሃል ዘላ ሃገር፣ ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ እምባደርሆ ወይ ከኣ ዓዲ ደርሆ ትብሃል ምንባራ ኸ ንፈልጥ ክንደይ ንኸውን?

     እምባ ደርሆ ወይ ዓዲ ደርሆ መቢሊኣ ካልእ ዘይኮነ፣ ደርሆ ዝኣርምኦም ‘ላ ጎል’ ዝተባህሉ ዓሌት ይነብርዋ ስለዝነበር’ዩ። እዞም ‘ጎል’ ዝተባህሉ ዓሌት ምድረ ኤውሮጳ፣ ምስ ወራር ንጉስ ቄሳር ካብ ሮማ ናብ ዝባን እዛ ሕጂ ዘላ ቤልጁምን ዌልስን ዝብሃላ ዘለዋ ሃገራት ከምዝሳገሙ’ዩ ዝዝንቶ። ኣርምኦም ዝኾነ ደርሆ ግና ኣብ ምድረ ፈረንሳ’ያ’ዮም ሓዲጎሞ።

      ወግዓዊ ኣርማ ፈረንሳ፣ ‘ማሪኣን’ ዝተባህለት ሓቐኛ ታሪኽ ዘይብላ ጓለሕድርትና ሰበይቲ ደኣ ትኹን’ምበር ተባዕታይ ደርሆ’ውን ከም ዘይወግዓዊ ኣርማ፣ ኣብ ማልያ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታታት ስፖርትን ካልእን ይሰፍር’ዩ። ተባዕታይ ደርሆ ወይ ከኣ ዓንዳፍ፣ ኣብ ዝባን ጥንታውያን ኣብያተ ክርስትያን ፈረንሳ እንተርኣኹም’በኣር ምስ ታሪኽ እዞም ‘ጎል’ ዝተባህሉ ደቀባት ፈረንሳ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዘክሩ። ንእግረ መንገድና፣ ሃዋርያ ጳውሎስ፣ ካብ ናይ ሮማ ቤት ማእሰርቲ “ናብ ሰብ ገላትያ” ኢሉ መልእኽቲ ዝሰደደሎም፣ ንሶም እዞም ህዝቢ እዚኦም’ዮም።

     ፈረንሳ፣ ከም ብጽሕቲ ወርሒ መዓልታት’ያ ክትጽብጽብ ቀንያ። ዳሜራ መስቀል ንየማን ዶ ንጸጋም፣ ትወድቀሉ መኣዝን ክዕዘብ ህንጡይነቱ ሰማይ ዓሪጉ ህዝቢ። እንሆ መዓልቲ ኣኺላ፣ መደምደምታ ረኺቡ።

     ህዝቢ ፈረንሳ ኣብ ቁጥዓኡን ሓጎሶን ናብ ፕላስ ደ ላ ሪፖብሊክ’ዩ ዝውሕዝ። ፕላስ ደ ላ ሪፖብሊክ ሰውራ ፈረንሳ ዝተበገሰሉን ሪፓብሊካዊት ሃገር ዝተመስረተሉን ታሪኻዊ ቦታ ፓሪስ’ዩ።

     ካፈ ዱ ታምፕል ዓሚላ’የ። ኣብ ግዳም ካብ ዝተነብረ መናብር ኩርናዕ ሒዘ፣ ‘ቦርዶ’ ዝዓይነቱ ቀይሕ ነቢት ክእንገድ ይጽበ ኣለኹ። ካብ ፕላስ ደ ላ ሪፖብሊክ፣ ብፕላስ ደ ላ ናስዮን ሓሊፉ ክሳብ’ቲ ቤት ማእሰርትን ግፍዕን ዝነበረ ግንቢ ባስቲ፣ ህዝቢ ኣዕለቕሊቑ’ዩ። “ቪቭ ላ ፍራንስ! ” ይጭድር። ፈረንሳ ንዘልኣለም ትንበር ማለት’ዩ። ከምዚ ኸማይ ጸግዐ ጸግዑ ሒዙ፣ ነቢት ዘውረደ ኸኣ ቆጺርካ ኣይውዳእን።

     ምርጫ ፈረንሳ ድሕሪ 2002 ኣዛራቢ ክኸውን ንፈለማ እዋኑ’ዩ። ሕሉፍ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር፣ ስልጣን ክሕዝ ቀረብኩ ቀረብኩ በለ። ህዝቢ ተሻቐለ። መራሒት እቲ ሰልፊ ማሪን ለ ፐን፣ ኣብ ምርጫ ፈረንሳ ክወዳደሩ ንዝቀረቡ 11 ሕጹያት ፕረዚደንት መሪሓ፣ ቀዳሚ ቦታ ሓዘት። “ምርጫ ፈረንሳ ኣብ ክልተ ዙር ስለዝካየድ ተስፋ ኣሎ፣” ህዝቢ ተደዓዓሰ።

++++++++++++

     France 5

     ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ፣ ብደሞክራስያዊ ስርዓት’ያ እትመሓደር። ኤውሮጳ ዘውዳዊ ስርዓት ዘይብላ እንኮ ሃገር’ያ። ፍርቂ ፕረዚደንታዊ ፍርቂ ኸኣ ባይቶኣዊ ኣቓውማ መንግስቲ ትውንን። ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፈረንሳ ካብ ናይ ኩለን ሃገራት ዓለም ፍሉይ ዝገብሮ፣ ኣብ ክልተ ዙር ዝካየድ ምዃኑ’ዩ።

     ኣብ ኩሉ ክፋል ዓለም ብዘለዋ ንኣሽቱ ግዝኣታት ምስ ላቲን ኣመሪካ፣ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያን ሃገራት ኤስያን ምስ ገሊኤን ብመሬት ምስ ገሊኤን ከኣ ብባሕርን ምስ ገልኤን ድማ ብክልቲኡ ትዳወብ።

     እዛ ሃገር ሕጂ ብዘለዋ ኣቃውማ፣ ኣብ 22 ዞባታት፣ 101 ምምሕዳራዊ ክፍልታትን 36 ሽሕ ከተማ ወይ ኮሙናት ትምቀል። ብዝሒ ህዝባ 64 ሚልዮን ይገማገም።

     18 ዓመት ዝመልአ ዜጋ እዛ ሃገር ናይ ክመርጽን ክመርጽን መሰል ኣለዎ። ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፣ ፕረዚደንት ዜጋታት ብዝህብዎ ቀጥታዊ ናይ ድምጺ ምርጫ’ዩ ናብ ስልጣን ዝመጽእ። ካልኣይ ግዜ እንተተመሪጹ ከኣ እንተነውሐ ን10 ዓመታት ጥራይ’ዩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ።

     ፓርላማ ፈረንሳ ብጠቕላላ 925 ኣባላት ዘለዎ ኮይኑ ከም ኣብ መብዛሕተን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ክልተ ዝተመቕለ ወይ ባይ ካመራል’ዩ።

     እቶም 348 ህዝቢ ብዝወከሎም ኣመሓደርቲ ዝምረጹ ኣባላት ሰነት ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 577 ግና ህዝቢ ብቀጥታ ባዕሉ ዝመርጾም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ’ዮም።

     ብታሪኻዊ ኣበጋግስኡ፣ ሰነት ላዕለዋይ ገዛ ክስመ እንከሎ፣ ሃገራዊ ባይቶ ከኣ ታሕተዋይ ገዛ እናተባህለ’ዩ ዝጽዋዕ። ኣብ ሓይልን ጽልዋን ግና ዝልዓለ ውሳኔ ዘለዎ እቲ ታሕተዋይ ገዛ እናተባህለ ዝጽዋዕን፣ ኣባላቱ ብቀጥታ ብህዝቢ ዝምረጹን፣ ሃገራዊ ባይቶ ወይ ኣሰምብሊ ናስዮናል’ዩ። ህዝቢ ፈረንሳ ንኣባላት እዚ ባይቶ ‘ደፑተ’ ዩ ዝብሎም።

     ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ፣ ንፕረዚደንት ካብ መዝነቱ ናይ ምእላይ ዝልዓለ ስልጣን ኣለዎ። ቅዋምን ሕግታት ሃገርን ናይ ምምሕያሽ ይኹን ናይ ምቕያር ሓላፍነት ዘለዎ እዚ ብህዝቢ ዝተመርጸን ንህዝቢ ወኪሉ ባይቶ ዘቖመን ኣካል’ዩ።

     ኣባላት ሰነት፣ ብህዝቢ ብዝተወከሉ ኣመሓደርትን ከንቲባታትን ስለዝምረጹ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ካብ ምስ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝወገኑ’ዮም። መንግስቲ ሽሕ ግዜ ብህዝቢ ይመረጽ፣ ድሌታቱ ከቀድም ህርድግ ስለዝብል፣ ንረብሓ ህዝቢ ሓልዩ ዓጋቲ ዝኾኑ ሃገራዊ ባይቶ’ዩ።

     ብህዝቢ ዝተምርጸ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ንሃገራዊ ባይቶ ክብትኖ ይኽእል። ብቑዕ ምኽንያት እንተቕሪቡ ማለት’ዩ።

     ፕረዚደንት ኣብ ባይቶ ናይ ድምጺ ደገፍ እንተዘይብሉ፣ ማለት ካብ 577 ኣባላት ባይቶ ብውሕዱ ናይ 289 ኣባላት ናይ ድምጺ ደገፍ እንተዘይረኺቡ፣ ህላውነቱ ትርጉም የብሉን። ስለዚ’ዩ ኸኣ ኣብ ህዝባዊት ፈረንሳ ካብ ምርጫ ፕረዚደንት ንላዕሊ ምርጫ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዘገድስ።

     ፕረዚደንት ካብ ዝተመርጸላ ሒደት መዓልታት ቀዳማይ ሚኒስተር ክረቑሕ ኣለዎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካቢነ ሚኒስተራት መዚዙ፣ መንግስቲ ብምልኣት የቕውም።

France 3

     ሃገራዊ ባይቶ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሰልፍታት፣ ብህዝቢ ብቀጥታ ዝተምርጹ ኣባላት ዝሓቖፈ ምስ ምዃኑ፣ ምስ ውሳኔ ፕረዚደንት ዘይክቓዶ ይኽእል’ዩ። ፕረዚድነት ውሳኔታቱ ብዘይጸገም ከተግብር፣ ካብቲ ንሱ ዝተምርጸሉ ሰልፊ ዝተወከሉ ዓብላሊ ብዝሒ ኣባላት ባይቶ ክህልውዎ ኣለዎ።

     ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ዘይብሉ ፕረዚደንት፣ ምስታ ዝበዝሑ ኣባላታ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዝተመርጹ ሰልፊ ሽርክነት ክምስረት ይኽእል። በዚ ናይ ሽርክነት ወይ ‘ኮኣቢታስዮን’ መስርሕ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብታ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ዘለዋ ሰልፊ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ይመዝዝ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ምስ ፕረዚደንት እናተረዳድአ ካቢነ ሚኒስተራት ሸይሙ፣ መንግስቲ የቕውም።

     ኣብ ፈረንሳ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ንጹር ዶብ ኣለዎም። ዋላ’ኳ ሳሕቲ ዝጥሓስ እንተኾነ። ፕረዚደንት መራሒ ሃገር ክኸውን እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ መራሒ መንግስቲ’ዩ።

     ኣብ ፈረንሳ፣ መንግስቲ፣ ሃገርን ህዝብን ብቕርጺ ተነጺሩ ዝዝረበሎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ባእታት’ዮም።

     ፕረዚደንት መራሒ ሃገር ኮይኑ፣ ብዛዕባ ፈረንሳን ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ዘለዋ ርክባትን ጉዳዩ ክገብር እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ከኣ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ምምሕዳር መንግስቲ ከም ትምህርቲ፣ ቁጠባ፣ ጸጥታ፣ መንበሪ ኣባይቲ፣ ጥዕናን ምእካብ ግብርን ዝኣመሰሉ የተኩር።

     መራሒ ሃገርን መራሒ መንግስትን ክልቲኦም ተሓታትነቶም ንሃገራዊ ባይቶ’ዩ።

     ኣብ ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ፣ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ፈጻሚ ኣካል’ዩ። ይኹን’ምበር ምስ ሃገራዊ ባይቶን ሰነትን ከይተማኸረ ዘሕልፎ ውሳኔ ይኹን ዝወስዶ ስጉምቲ የለን። ኣብ ኣዝዩ ህጹጽ እዋናት፣ ንኣብነት መጥቃዕቲ እንተጋጢሙ፣ ፕረዚደንት ናይ ባይቶ ውሳኔ ከይተጸበየ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል። ድሕሪ’ዚ ስጉምቲ ግና ብባይቶ ተሓቲቱ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ይግደድ። ካብዚ ዝተረፈ፣ ኣብ ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ፣ ካብ የማናዊ ወይ ጸጋማዊ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ስለዝመጸ ድላዩ ክገብር ይኽእል’ዩ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ፈረንሳ ካብ የማን ይኹኑ ጸጋም ብዘየገድስ፣ ብገዛእ ምርጩ መራሕቲ የምጽእን የውርድን።

      18 ዓመት ዝመልአ ዝኾነ ዜጋ እዛ ሃገር ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ናይ ምዃን መሰል ኣለዎ።

     ምርጫ ፈረንሳ ኣብ ክልተ ዙርያ ዝካየድ ኮይኑ፣ ነቲ ቀዳማይ ዙርያ ክወዳደር ብቁዕ ዝኾነ ዜጋ ክሳተፎ ይኽእል። እዚ ማለት፣ ብውሕዱ ናይ ኣስታት 500 ንህዝቢ ዝወከሉ ከንቲባታት፣ ኣማሓደርቲ ዞባታት፣ ክፍልታትን ከምኡ ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ምምሕዳርን ደገፍ ወይ ‘ኢንዶርስመንት’ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ዝኾነሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ ካብ ናይ ህዝባዊ ባጅት ልቃሕ ክፍቐዶ ስለዝኽእል’ዩ።

     ንፕረዚደንት ክወዳደር ራኢ ዘለዎ ዜጋ፣ ሰኣን ባጀት ካብ ምውድዳር ኣይዕንቀጽን። ብፍላይ እኳ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘለዎ እንተኾነ። መንግስቲ ካብ ህዝቢ ዝኣከቦ ግብሪ፣ ንተወዳደርቲ ፕረዚደንት ጎስጓስ ከካይዱ ክሕግዞም ብመልክዕ ልቃሕ ባጀት ይስልዕ’ዩ። እቲ ባጀት፣ ውሱን ኮይኑ፣ ካብ 5 ሚእታዊት ንላዕሊ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንዝረኸቡ ተወዳደርቲ፣ ብብዝሒ’ቲ ዝረኸብዎ ሚእታዊት ህዝባዊ ደገፍ፣ ዝተፈላለየ መጠን ክፋል ናይቲ ንጎስጓስ ዘጥፍእዎ ገንዘብ ብመንግስቲ ይምለሰሎም’ዩ። ስለዚ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ንኸንቱ መታን ከይባኽን፣ ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ፣ ብውሕዱ ናይ 500 ከንቲባታት፣ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ክፍልታትን ከምኡ ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪን ክረክብ ኣለዎ።

     ካብ ብልሽውና ወዲ ዞባይ ወዲ ዞባኻ ናጻ ክኸውን ተባሂሉ’ውን እቶም ንሓደ ሕጹይ ተወዳዳሪ ደገፎም ዝህቦ ወከልቲ ህዝቢ፣ ብውሕዱ ካብ ሰለስተ ናይተን 22 ዞባታት ፈረንሳ ክኸውን ኣለዎ።

     ንፕረዚደንት ዝወዳደር ዜጋ፣ ንጎስጓስ ምርጫ ዘድልዮ መጠን ገንዘብ ብወግዒ ኣፍሊጡ ካብ ባንክታት ክልቃሕ ይኽእል። እዚ ግና ደረት ኣለዎ።

     ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት፣ ኣብ እዋን ጎስጓስ ካብ ህዝቢ ገንዘብ ክእክብ ይኽእል። ህያብ’ውን ክቕብል ይፍቀዶ። እንተኾነ ሓደ ሰብ ንሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ካብ 150 ኤውሮ ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ወይ ካሽ ከበርክት ኣይፍቀዶን። ካብኡ ንላዕሊ እንተኾነ፣ ብመንገዲ ባንክ ብዝግበር ምስግጋር ጥራይ’ዩ ዝፍጸም። ኣቀድሙ ንመንግስቲ ዝሓበረ እንተኾነ ከኣ ክሳብ 4500 ኤውሮ ጥረ ገንዘብ ክህብ ይኽእል። ካብዚ ንላዕሊ ግና ዝደለኻዮ መጠን ገንዘብ ንሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ምሃብ፣ ንወሃብን ተቐባልን ብሕጊ የሕትቶም። ሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት፣ ካብ ህዝቢ ክእክቦ ዘለዎ ብዝሒ ገንዘብ’ውን ካብ 20 ሚእታዊት ናይቲ ብሓፈሻ ንጎስጓስ ከባኽኖ ዝሰልዖ ብዝሒ ገንዘብ ክሓልፍ የብሉን። እዚ ብገምጋም 15 ሽሕ ኤውሮ ይበጽሕ። እዚ ማለት ግና ፖለቲካውያን ሰልፍታት ኣቐዲመን፣ ቅድሚ ናይ ምርጫን ጎስጓስን እዋናት ካብ ዘዋህለልኦ ገንዘብ፣ ኣብ ምርጫ ንዝወዳደር ወኪለን ዝደለይኦ ብዝሒ ገንዘብ ከፍስሳሉ ኣይክእላን ማለት ኣይኮነን። እዚ’ውን ገደብ ኣለዎ። ኮሚሽን ምርጫ መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ሓደ ዓመት ቅድሚ ምርጫ ኣቢሉ፣ ንምርጫን ጎስጓስን ክባኽን ዘለዎ ጠቕላላ ብዝሒ ገንዘብ ገደብ ይገብረሉ። እዚ ድማ ሓደ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት፣ ብጠቕላላ ከባኽኖ ዝፍቐደሉ ገንዘብ ካብ 20 ሚልዮን ኤውሮ ኣይሓልፍን።

     ናይ ውልቂ ትካላት፣ ይዕበያ ይንኣሳ፣ ጎስጓስ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ኣይምውላን። ኣየወዓውዓን’ውን። ንፕረዚደንት ዝወዳደር ሕጹይ ዜጋ፣ ካብ ናይ ደገ መንግስታት ገንዘብ ከምዝተቐበለ እንተተረጋጊጹ፣ ከቢድ ገበን’ዩ።

Le pen

     ማዕከናት ዜና ንኹሎም ፣ ህጹያት ተወዳደሪ ምዕሩይ ሱተፈን ጎስጓስን ይህባ ምህላወን ዝከታተል ኣካል ኣሎ። ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዕለት፣ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፣ ብሜድያን ካልእን ዝካየድ ኩሉ ጎስጓሳት ደው ይብል። ህዝቢ ረጊኡን ከይተረበሸን መራሒኡ መታን ክመርጽ።

     ኣብ ቀዳማይ ዙርያ፣ ሓደ ተወዳዳሪ ካብ 50 ሚእታዊት ንላዕሊ ናይ ምርጫ ካርድታት ከውሕስ እንተኽኢሉ፣ ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ምክያድ ኣየድልን።

     ኣብ ቀዳማይ ዙርያ፣ ኩሎም ተወዳደርቲ ትሕቲ 50 ሚእታዊት ናይ ድምጺ ካርድታት እንተረኺቦም ግና፣ ዝልዓለ ድምጽታት ካብ ዝረኸቡ ክልተ ተወዳደርቲ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ይካየድ። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ፈረንሳ ይምረጽ። ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ድማ ምርጫ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ይካየድ።

     ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን፣ ወትሩ ረቡዕ ኣኼባ የካይድ። ሰነት ፈረንሳ’ውን ከምኡ ተመሳሳሊ ንበይኑ ሰሙናዊ ኣኼባ የካይድ። ኣኼባ ዘካይድሉ ቦታ’ውን ነንበይኑ’ዩ። ክልቲኦም እዞም ኣካላት ብሓባር ኣኼባ ዘካይዱ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ጥራይ’ዩ። ህጹጽ ኩነታት ምስ ዘጋጥም ከኣ ብጠለብ ፕረዚደንት ኣብ መንበረ ንጉስ ሉዊ ዝነበረ ግንቢ ቨርሳይ ክእከቡ ይኽእሉ።

     መራሒ ሃገር፣ ሕግታት ሃገር ወይ ቅዋም ምስ ዝጥሕስ እሞ ንሃገራዊ ባይቶ ምእዛዝ ምስ ዝኣቢ ወይ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ምስ ዝስሕሓብ፣ ካብዞም ክልተ ናጻ ዝኾነ ፈራዲ ኣካል ክዳኒ ኣብ መንጎ ይኣቱ።

     ላዕለዋይ ዳኛ ህዝባዊት ፈረንሳ ዝህቦ ውሳኔ ከኣ ናይ መወዳእታን ቀይዳን ይኸውን።

     እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ንመንግስቲ ፈረንሳ፣ ንሓድሕዶም ናብ ዝተሓላለዉ ናጻ ዝኾኑ ኣካላት ፈጻሚ፣ ሓጋጊን ፈራድን ብንጹር ይመቓቕሎ።

     ናይዚ ሰለስቲኡ ኣካላት መንግስቲ ዝኾኑ ኣባላት፣ ካብ ፕረዚደንት፣ ክሳብ ተራ ኣባል ባይቶ፣ ሕሳቦም ብንጹር መንግስቲ ክፈልጦ ኣለዎ። ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘለዉ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍቱ ኣይፍቀድን።

     ኤርትራ ከም ፈረንሳ እንተትኾነልና ዶ ትብሉ ኣለኹም? እዚ ፈረንሳ እትኽተሎ ዘላ ምምሕዳር መንግስትን ቅርጽን ከመይ ማዕቢሉ? ክንደይ ዓመታት ከ ወሲዱ?

 

                                                +++++++++++++++++++ 

     ሃገረ ሉዊ፣ ሃገር ዦን ዳ’ኣርክ፣ ሃገር ቪክቶር ሂጎ፣ ሃገረ ዦን ዣክ ሩሶ፣ ቮልቴር፣ ሮበስፔር፣ ሃገረ ላፋየት፣ ሃገረ ናፖልዮንን ቻርለስ ዲ ጎልን ዝኾነት ፈረንሳ እዚ ሕጂ እተስተማቕሮ ዘላ ደሞክራስያዊ ከይዲ፣ ኣብ ሓደ ለይቲን ብዘይ ዋጋን ከምዘይመጸ ኣብ ታሪኽ እንረኽቦ ሓቂ’ዩ።

     ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣትሒዙ፣ ንጉስ ቄሳር ደም ዘንብዓ ዓዲ ደርሆ፣ ብተኸታታሊ ወራራት ካብ ከባቢኣ ዝግስግሱ ነጋውስ ዕረፍቲ ስኢና ነበረት። ክሳብ’ቲ ሓደ እዋን ቅድሚ 1500 ዓመት ኣቢሉ፣ ፍራንኪሽ ናይ ዝተባሃሉ ህዝቢ ንጉስ፣ ከም ሃገር ጠርኒፉ፣ ስማ ፈረንሳ ክሳብ ዘጠመቐሉ ወቕቲ።

     ንኣስታት ሓደ ዘመን ጸጋኣ ዝመዝመዘ ተኸታታሊ መስቀላዊ ኵናት 11 ክፍለ ዘመን ሰጊራ፣ ኣብ ዝበኣሰ ኵናት ሓድሕድ ኣመንቲ ካቶሊክን ፕሮተስታትን ዝተጸምደት ፈረንሳ፣ ዶባታን ምምሕዳራዊ ቅርጽታታን ካብ ግዜ ናብ ግዜ’ዩ ዝቕያየር ኔሩ።

     ንኽልቲኡ እምነታት ዘጣመረ ሄንሪ ራብዓይ ኣብ መፋርቕ 16 ክፍለዘመን ምስ ነገሳ ንዓመታት ዝዛረየ ደም ነቒጹ፣ ብነቢትን ወሓዚ ሩባ ላ ስየንን ተተክአ። ህዝባ ተዛማዲ ዕረፍቲ ረኸበ።

     ሄንሪ ራብዓይ፣ ሕሉፍ ኣማኒ ካቶሊክ ብዝኾነ መንእሰይ ኣብ መበል 56 ዓመት ዕድሚኡ ተቐንጸለ። ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ ሓድሽ ምዕራፍ ተኸፍተ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቆልዓ፣ ኮረሻ ኣቡኡ ወሪሱ ንጉስ ሉዊ መበል 13 ኮነ። እንተኾነ መሪሕነት ክሳብ ዝመልኽ፣ ኣዲኡ ስልጣን ንጉስ ጨቢጣ ሓዘተ። ማዕረ ሰብኡትን ተጓኒጻ ከኣ ስልጣን ወዳ ኣውሓሰት። ሉዊ 13፣ “ፈረንሳ ንክልተ እምነታት ኣይትጻወርን’ያ” በለ። ካቶሊክ እንኮ ሃይማኖት ኣወጀ።

     ሊዊ መበል 13 ኣብ 41 ዓመት ዕድምኡ ኣብ 1643 ዓባይ ሰዓል ቆጸየቶ። ወዲ 5 ዓመት ወዱ፣ ሉዊ መበል 14 ኮይኑ ካብ ድቓሱ ተበራበረ። ሉዊ 14’ውን ከም ኣቡኡ ስልጣን ብቆልዑኡ ስለዝተረከበ ክሳብ ዝጉብዝ፣ ኣዲኡ ዓቢ ግደ ተጻወተት።

France 2

     እቲ ቆልዓ ሰብኣይ ኮነ። ናይ ጸሓይ ንጉስ፣ “ለ ሩዋ ዱ ሰለይ” ሰየማ ገዛእ ነብሱ።

     “ፈረንሳ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝሓየለት ሃገር’ያ፣” ፈከረ። ኣጼ ክሳብ ንምዃን ተመጣጠረ። ጎረባብቲ ሃገራት ወረረ። ሃብቲ ህዝቢ ዘመተ። ነፍቐርቱ ኣሽሓት ፍራንካታት ዝወደአ ህያባት ብሉጽ ለገሰ። ፓሪስ ዝተዛወርኩም እንተለኹ፣ ፓሌ ሉክሰንበርግ ንጉስ ሉዌ ንህያብ ፍቕሪ ዝሃነጾ’ዩ። ፓሌ ሮያል ንገዛእ ርእሱ እትበቅዕ ቤት መንግስቲ ኮይና ኣይረኸባን። ደምን ረሃጽን ህዝቢ ፈረንሳ ናብ ዝመጠጠ ሓድሽ ግንቢ፣ ‘ሻቶ ደ ቨርሳይ’ ገዓዘ። ህዝቢ ፈረንሳ ንፈታው ውግእ ንጉስን ሓሻሺት ንግስትን ዘለዎ ዘበለ ኩሉ ሃበ። ድኽነት ደገ ቤቱ ክትኩሕኩሕ ሰምዓ።

     ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ኣትሒዙ ንጉስ ዝተሸመ ሉዊ 14 ድሕሪ ናይ 71 ዓመታት ስልጣን፣ ኣብ መበል 76 ዓምት ዕድምኡ ብሕማም ተኣልየ። ህዝቢ ፈረንሳ ምስ ሞት’ዚ ናይ ጸሓይ ንጉስ፣ ጸሓይ ኣይትመውትን በለ። ተስፋ ገበረ።

     ሉዊ 15 ከም ዝሓለፍኡ ወለድኡ፣ ኣብ ቁልዕነቱ ንኣብኡ ሉዊ 14 ተኪኡ ስልጣን ተረከበ። ንሱ’ውን ጾር ህዝቢ ፈረንሳ ከየፋኾሰ፣ 59 ዓመታት በሊዑ ብንፍዮ ተኣልየ።

     ወዲ 20 ዓመት ወዱ ንሉዊ 15 ኣብ 1774 መንበር ንግስነት ተረክቡ ሉዊ መበል 16 ኮነ።

     ንጉሳውያን ቤተሰብን ካህናትን ብፌስታን ሆይሆይታን ኣኣጌጹ። ነቢት ይጭልጡ። ህዝቢ ፈረንሳ በንጻሩ መዓልታዊ መግቢ ንምርካብ ግድል ኮኖ። ዕለታዊ መግቡ ዝነበረት ስጋ ሓሰማ፣ ሳሕቲ ጥራይ ኮነት። ንሳውን ኣብ ኣውድኣመት ብጉዚ እንተረኺቡዋ ማለት’ዩ። ባህላዎ ሕብስቲ፣ ‘ባጌት’ ምስራቕ ዝውቱር ኮነ። ደቂንስትዮ ክራይ ኣባይቲ ንምኽፋል ነብሰን ንዕዳጋ ኣውረዳ። መነባብሮ ሓሰመ።

     ህዝቢ ፈረንሳ ንመጀመርያ እዋኑ ተቓውሞታት ከስምዕ ተራእየ። ኣብ ከባቢታት እዚ ናይ ሕጂ ፕላስ ደ ላ ሪፖብሊክ ዝብሃል ቦታን ኣብ ላ ታምፕልን ተኣኻኸበ። “ንጉስ ጸገምና ይስማዕ ጨደረ።”

     “ህዝቢ ጸጊቡ” ሓጨጨ ንጉስ።

     ንንጉስ ብሓይሊ ንምእላይ ብስውር ጠበናጁ ዝዓጠቑ መንእሰያት ወረር ወረር በሉ። ‘ጃኮቢንስ’ ተሰምዩ። ከም እኒ ላፋየት፣ ማራት፣ ዳንተንን ሮበስፔርን ዝኣመሰሉ ለባማት፣ ኣይፋልኩም መንእሰያት ብዘተደኣ ይኹን መዓዱ። ተቓውሞ ህዝቢ ፈረንሳ፣ ጎንጽ ዝኣምንን ብሰለማዊ መንገዲ ዝጠልብን ኣብ ክልተ ተገምዐ።

     ንጉስ ካብ መንበረ መንግስቲ ‘ቨርሳይ’ ናብ ፓሪስ መጺኡ ምስ ህዝቢ ክረዳዳእ ተሓተ። ናብቲ “ቲየር- ዘ -ታ’ ዝብሎ ታሕተዋይ ደረቢ ወሪደ ኣይዘራረበን” በለ።

     ተቓውሞ ሓየለ። ኣብያተ ነቢት መዓጹታተን ተገፍተረ። ገንእታት ነቢት ተደንከሉ። ህዝቢ ነቢት ከም ልቡ ጨለጠ። ህዝቢ ፈረንሳ፣ ኣብ ጓሂኡን ደስትኡን ነቢት መሳንይቱ’ዩ።

     ኣብ ጥሙይ ከብዱ ደረቕ ነቢት ክጭልጥ ዝወዓለን ዝሓደረን ህዝቢ ደሙ ፈልሖ። ቀይሕ ነቢት እሞ ኸኣ ኣብ ጥሙይ ከብድኻ፣ ደምካ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓንጎልካ’ውን ዘፍልሕ። ህዝቢ ቁጠዐኡ ምቁጽጻር ሰኣነ። ኣብ ግንቦት 1789 ንቤት ማእሰርትን ግፍዕን ዝነበረ ግንቢ ባስቲ ወሪሩ ሓዞ። እሱራት ሓራ ገበረ። ንኣሰርቲ ኣሰረ።

     “እዚ ህዝቢ’ዚ ብነቢት’ዩ ሰኺሩ” ኣላገጻ በዓልቲ ቤት ንጉስ፣ እመቤት ማሪ ኣንቱዋነት። ሰኽራም ናይ ልቡ ይዛረብ ዝብል ምስላ ትግርኛ ረሲዐን።

     ሉዊ 16 ፍሉያት ሓይልታት ሰራዊት ስጉምቲ ክወስዱ ናብ ፕላስ ደ ላ ሪፖብሊክ ለኣኸ። ንቁጥዐ ህዝቢ ፈረንሳ ክዓግት ግና ኣይከኣለን።

     ምዝመዛ፣ ምረት ናብራ፣ ጭቖናን ሕሰምን ዘበገሶ ሰውራ ፈረንሳ፣ ብነቢት ተደፊኡ ቅድሚት ገስገሰ።

     ንጉስ ንመጀመርያ እዋኑ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ክዘራረብ ከምዝኽእል ኣተንብሀ። ህዝቢ ይውክሉ’ዮም ዝበሎም ሰባት መሪጹ ምስ ንጉስ ክደራደር ድሉው ኮነ። ህዝቢ ወከልቱ ባዕሉ ክመርጽ ኣብ ታሪኽ ፈረንሳ ንመጀመርያ ኮነ። ነቶም ባዕሉ ዝመረጾም ወከልቱ ድማ ሃገራዊ ባይቶ ወይ ከኣ ‘ኣሰምብሊ ናስዮናል’ ሰየሞም።

     ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ኣብ እዋን ሰውራ ፈረንሳ ኣብ 1789 ካብ ዝቖመሉ ኣትሒዙ እምበኣር እቲ ዝሓየለ ጽልዋን ውሳነን ዘለዎ ክኸውን ዝኸኣለ’ምብኣር ብኸምዚ መስርሕ ሓሊፉ’ዩ።

     ንጉስን ሰዓብቱ ካህናትን ድሌት ህዝቢ ከማልኡ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ጎነጽ ሰዓረ። ንንጉስን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ቀይዲ ኣተዉ። ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከምዝተረከበ ሓቢረ። ኣብ 1792 ፈረንሳ ናይ ነጋስ ዘይኮነት ናይ ህዝቢ ወይ ሪፖብሊክ ምዃና ኣበሰረ። ቪቭ ላ ሪፖብሊክ ገዓረ። ብደሙን ረሃጹን ዘላገጹ ንጉስን ቤተሰቡን ንሞት ፈሪዱ። ክሳውዶም ሰቢሑ፣ “እምበርዶ ብመጋዝ ጉለቲን ክቕንጠብ’ዩ?” ህንጡይነት ሰማይ ዓረገ። ንጉስን መቕርቡን ንዘመናት ዝጨለጥዎ ምሩጽ ነቢት፣ ደም ኮይኑ ኣብ ፕላስ ‘ኮንኮርድ’ ረድአ። ፓሪስ፣ ብደምን ቀይሕ ነቢትን ደቓ ጨቕያ ባህ በላ። ኣብ ቀይሕ ጨርቂ ዝተሰለመ ሰለስተ ዕምንባባታት ዝመለለይኣ ባንዴራ ዘውዳዊት ፈረንሳ ብደምን ነቢትን ተዓሊሳ፣ ተተርተረት። ቀይሕ ጻዕዳን ሰማያውን ሕብርታት ዘለዋ ሪፖብሊካዊት ባንዴራ ኣንበልበለት።

 

                                                 ++++++++++++ 

Le coq

     ካብ ሄንሪ ራብዓይ ክሳብ ሊዊ 16፣ ካብ 1589 ክሳብ 1789 ኣባላት ሓንቲ ስድራ እናተቐባበሉ ንኽልተ ሚእቲ ዓመት ወይ ክልተ ክፍለ ዘመን ዘጽንሕዎ ዘውዲ ቅልቁል ኣፉ ተድፍአ። ንልዕሊ 1500 ዓመታት ዝጸንሐ ዘውዳዊ ስርዓት ፈረንሳ ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣብቀዐ።

     ሓዳስ ሪፖብሊካውት ፈረንሳ እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ ክትተክልያ ኣብ መዋጥር ኣተወት። ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ክልተ ተገምዐ። “ናይ ጥንቲ ክብርታታ ዓቒብና፣ ደሞክራስያዊ ዘውዳዊ ስርዓት ንከተል” ዝበሉ የማናይ ሸነኽ መናበር ኣዳራሽ ሃገራዊ ባይቶ ሓዙ። “ኣይፋል፣ ፈረንሳ፣ ንድኽኡ ንሃብታሙ፣ ኣብ ማዕርነትን ሓርነትን ዝኣምን ሊበራላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት እባ ክትክተል ኣለዋ” ዝበሉ ብጸጋማይ ወገን ተፈልዮም ኮፍ በሉ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ፣ ዓለም ዝረዓመቶ የማናውያንን ጸጋማውያንን ሰልፍታት ዝብል ፖለቲካዊ ኣምር ፈለቐ።

     ሃገራዊ ባይቶ፣ ኣብ የማናውያንን ጸጋማውያንን ተገሚዑ፣ ጽኑዕ ስርዓተ መንግስቲ ከቕውም ዘይምኽኣሉ፣ ነተን ንዘመናት መተሃላልኽታ ዝነበራ ጎረባብታ ምጹቹ ባይታ ተፈጥረ። ንምውራራ ተጓየያ።

     1795 ፈረንሳን ዓለም ፈረንሳን ዓለምን ዘይተጸበየቶ መንእሰይ፣ ካብ ደሴት ኮርሲካ “ኣለኹ ሃገረይ” በለ። ናፖልዮን ቦናፖርት፣ ንፈረንሳ ካብ ወራራት ጎረባብታ ኣድሒኑዋ ጥራይ ዘይኮነ፣ ክብራ መሊሱላ፣ ሃጼ ክሳብ ንምባል ዝበቅዕ ተመሊሱ ሓያሎ ሃገራት ወረረ። ብሪጣንያን ሩስያን ሓድነት መስሪተን ንናህሪ ናፖልዮን ገትኣ። ሓያል ወትሃደር ጉዕዝኡ ብምርኮ ዛዘመ።

     ፈረንሳ፣ እንደገና ኣብ ድንጋጸ ጎረባብታ ወዲቐት። ዘውዳዊ ስርዓት ንምምላስ ክሕግዝኣ ጸዓራ። ነዊሕ ኣቐጸለን። ወዲ ሓዉ ንናፖልዮን ንፈረንሳ ክመርሕ ብሃገራዊ ባይቶ ተመርጸ። ኣይበቕዐ። ብዕልዋ ተኣልየ። “ፈረንሳ ሓድሽ ስርዓተ ምሕደራ የድልያ” ተሰማምዐ ሃገራዊ ባይቶ። ነቲ ኣብ 1789 ብመልክዕ ቻርተራት ናብ ቅዋም ዘሰጋገሮ ዓንቀጻት ምምሕያሻት ገበረሉ። መሰል ደቂሰብ፣ ብዝልዓለ ተመጎተሉ። ማዕርነት፣ ሓርነትን ሕውነትን ቀንዲ ጭርሖ ሃገራዊ ባይቶ ኮነ።

     ካብ 1871 ክሳብ 1914 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብሃገራዊ ባይቶን ኣባልት ሰነትን ዝተምረጹ ሸውዓተ ፕረዚደንታት ተተኻኽኡ። እዚ ክፍለ-ዘመን እዚ ሳልሳይ ሪፖብሊክ ፈረንሳ ተሰየመ። ብነጋውስን ኵናትን ንዘመናት ዝተዳህከ ቁጠባ ፈረንሳ ንምብርባሩ ተጓየዩ። ኢንዱስትሪታት በዝሐ። ጸጋኻ ንምዕባይ ግዝኣታት ምስፋሕ ኣድልየ። ኣፍሪቃ እታ ቀንዲ ግዳይ ኮነት። ፈረንሳ በተን ድሮ ግዝኣታ ኣስሪጻትለን ዝጸንሐት ኣልጀርያን ሞሮኮን ኣቢላ ናብ ገዚፍ ክፋል ኣፍሪቃ ኣስፋሕፈሐት።

     1914 ክሳብ 1946 ዝነበራ ዓመታት ዓለም ኣብ ክልተ መረርቲ ውግኣት ዝተጸምደትሉ’ዩ። ፈረንሳ ከም ዓባይ ሃገር እታ ቀንዲ ተሳታፊትን ግዳይን እዚ ኵናት ነበረት። ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም፣ ብዘይ ኩናት ናብ ሂትለር ሰሊማ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ሉኣላዊ መንግስቲ ዘይብላ ኣካል ጀርመን ኮነት።

     ብጀነራል ቻርለስ ዲ ጎል ዝምራሕ ናይ ስደት መንግስቲ ካብ ለንደን ንህላዌኣ ተቓለሰ። ሰራዊት ኣመሪካ ዝመርሖ ልፍንታዊ ሓይሊ፣ ብገማግም ባሕሪ ኖርማንዲ ናብ ፈረንሳ ኣተወ። ንፈረንሳ ካብ ምሕደራ ሂትለር ገላገላ። ጀነራል ዲ ጎል ናብ ፓሪስ ተመልሰ። ይኹን’ምበር ፈረንሳ ገና ኣይረግአትን። ወትሃደራዊ መራሒኣ፣ ቻርለስ ዲ ጎል፣ መራሒ ሃገር ንምዃን ሓድሽ ስርዓት ምሕደራ ከምዘድሊ ኣወጀ። ኣብ 1958ሃገራዊ ባይቶ ምሉእ ስልጣን ሃቦ። ቅዋም ተመሓየሸ። ፕረዚደንት ቻርለስ ዲ ጎል ቀዳማይ መራሒ ናይ ሓሙሻይ ሪፖብሊክ ፈረንሳ ኮነ።

     ንዓመታት ግዳይ ተባዕታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂንስትዮ ካብ 1946 ኣትሒዙ ናይ ክመርጻን ክምረጻን መሰል ተፈቒዱለን ነበረ። ኣብ 1965 እንደገና ምምሕያሽ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምምሕያሽ ብምግባር፣ ፕረዚደንት ብወከልቲ ህዝቢ ዘይኮነ ብቀጥታ ብዝህቢ ክምረጽ ተወሰነ። ህዝቢ ፈረንሳ ካብዚ እዋን’ዚ ኣትሒዙ ክሳብ እዛ ዕለት ሸውዓተ ፕረዚደንታት ባዕሉ ብዘንብሮ ናይ ድምጺ ወረቓቕቲ ኣብ ስልጣን ኮፍ ኣበሎም።

France Fi

     ኣብ ጥሪ 2010 መሬት ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ካብ ዝረገጽኩላ እዋን፣ ሰለስተ ፕረዚደንታት ክተኻኽኡ መስኪረ ኣለኹ።

     በብሪጋ ዝኣዘዝኩወን ብኬሪታት ነቢት ጨሊጠ፣ ናብ መዳቕሶይ ተበጊሰ ኣለኹ። የማነ-ጸጋመይ “ቪቭ ላ ፍራንስ!” ይጭደር። መንገዲ እናተጓነጽካ’ዩ።

     ሓደ ሰሙን ቅድሚ ምርጫ ዝርኣኹዋ ስእሊ ቅጅል በለትኒ። ንጎስጓስ ምርጫ ኣብ ዝተለጠፈ ግዙፍ ስእሊ ወይ ፖስተር ሕጹይ ተወዳዳሪ ፍራንስዋ ፊዮን፣ ኣብ ልዕሊኡ “ድሙይ ዝርኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ምልክታ ይንበብ።

     “ጋኢያ” ዝተባህለት ዱመን ዝረኣያ እንተሎ ክውከሰን፣ ማዳም ኤልዶዲ ከምዝበሃላ ሓቢረን ቁጽሪ ቴሌፎነን ኣንበራሉ።

     ለካ ንገሊኡ ሲ ካብቲ ምርጫ ንላዕሊ ደሃይ ድሙኡ’ዩ ዝዓጦ ኔሩ። “ክላ’ዚ ኦም ድማ…. ኣድገይ ዶ ግዳ ርኢኻ?” ‘ ዩ ነገሩ።

 

ዕባይ ኣኽርያ
ካብ ፓሪስ

08 ግንቦት 2017

 

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0