ኤርትራን ግብጽን ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን መዳይ ንምትሕግጋዝ ይዝትያ

Radio Erena: 10 May 2017

Eri Eg

ኤርትራን ግብጽን ኣብ ወትሃደራውን ጸጥታውን መዳይ ክትሓጋገዛ ይዝትያ ምህላወን ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብ መንጎ’ዘን ክልተ ሃገራት ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንኽህሉ ይዝትያ ምህላወን ዝግለጽ ዘሎ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን እማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ብ6 ግንቦት ኣብ ግብጺ ብምብጻሕ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ግብጺ ሳምሕ ሾክሪን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።

ወከልቲ መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ኣብዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዘካየድዎ ርክብ፣ ግብጺ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ምስ ኤርታር ዘለዋ ምትእስሳር ከተዕቢ ከምእትደሊ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣሕመድ ኣቡ ዛይድ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ‘ዘን ክልተ ሃገራት ዛጊት ተኻይዱ ዘሎ ርክባትን ምትሕብባርን ኣዕጋቢ ምዃኑ’ውን እቲ ኣፈኛ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ንምትሕግጋዝ ተበግሶ ወሲደን ከምዘለዋ ኣየነጸረን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብወገኑ፣ ኣብቲ ዞባ ንዝርአ ዘሎ ብድሆታት ንምግጣም ምትሕብባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ግብጽን ኤርትራን ጽዑቕ ርክባት ዘካየዳ ዘለዋ፣ ግብጺ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ምትፍናንን ኣብ እትርከበሉ እዋን’ዩ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ግብጺ ክመጽእ ንዝኽእል ተጻብኦታት ንምምካት ብሓባር ክሰርሓ እንከለዋ፣ ግብጺ ድማ ምስ ኤርትራ ትሰርሕ ከምዘላ ግሁድ ጌራቶ ኣላ ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

ኤርትራ ምስ ግብጺ ጥቡቕ ዝምድና ምምስራታ፣ ካብ ኩለን ጎረባብታ ብተዛማዲ ዝሓሸ ዝምድና ምስ ዝሰንሓ ሱዳን ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል’ውን እቶም ተንተንቲ የመልክቱ።

ግብጺ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም መደብ ከምዘለዋ ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ መንግስቲ ግብጺ እቲ ብሱዳን ትሪቡን ዝቐረበ ዜና ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0