ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ጅቡቱን ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ጅቡቱን ኣብ ጉዳይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘትዮም

Radio Erena: 27 February 2015

USDjP

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ዮሱፍ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ሓሰን ድራር ሖፍነን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጅቡትን ዝሓቖፈ ልኡኽ መንግስቲ ጅቡቲ ብ25 ለካቲት ምስ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኣሽ ካርተር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ -ፔንታጎ ብምርኻብ፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዝርርብ ምክያዶም ካብቲ ክፍሊ ዝተፈነወ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝዘተየ ርክብ ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ጅቡትን፣ ኣብ ምምካት ግብረ ሽበራ፣ ምስፋሕ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስ ኣመሪካ፣ ጸጥታ ባሕርን ካልእን ዝብሉ ኣርእስታት ተዘትዩሎም።

 ኣመሪካ፣ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ ቀዋሚ መዓስከር ለሞንየ ብርክት ዝበለ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብ የመንን ሶማልን ፍሉይ መጥቃዕታት ዘካይዳ ናይ ዘለዋ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መዓስከር ምህናጻ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ኣምሳያ’ዩ ድማ ኣመሪካ ንጅቡቲ ገዚፍ ወትሃደራውን ፊናንስያውይን ሓገዝ ተበርክተላ’ያ።

ጅቡቱ ብዘይካ’ቲ ኣብ መሬታ ሰራዊት ኣመሪካ ክዕስክር ምፍቓዳ፣ ናብ ሶማል ሰራዊታ ምውፋራ’ውን ካብ ኣመሪካ ወትሃደራዊ ሓገዝ ይግበረላ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ኣብ ሶማል ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0