መራሕቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሱዳን ይቕሬታ እንተሓቲቶም ክፍትሑ ምዃኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ

መራሕቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሱዳን ይቕሬታ እንተሓቲቶም ክፍትሑ ምዃኑ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: 27 February 2015

Alb

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን ወግዓዊ ይቕሬታ እንተሓቲቶም ክፍትሑ ምዃኖም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ ምርጫ እታ ሃገር ንምክያድ ጎስጓሳት ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብፍላይ እቶም ፋሩቕ ኣቡ ዒሳን ኣሚን መኪ መዳንን ዝተብሃሉ ክልተ ህቡባት መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፣ ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝጽውዕ ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝኸተማሉ ውዕል ብምስታፎም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዝዝከር’ዩ።

 

ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ተጠርኒፎም ንፕረዚደንት ክሳብ ብጎነጽ ንምእላይ ንዝተወስደ ተብግሶ ምኽታሞም ንቕዋም እታ ሃገር ጥሒሶም’ዮም ዝበለ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብወግዒ ይቕሬታ እንተ ሓቲቶም ክፈትሖም ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቶም ክልተ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ተመሳሳሊ መጽዋዕታ እኳ እንተቀረበሎም፣ ይቕሬታ ከምዘይሓቱ ብምግላጽ ነቲ መጸዋዕታ ከምዝነጸግዎ ማዕከናት ዜና ሱዳን ይጠቕሳ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ፖለቲካዊ ጽገናታት ንምትእትታው ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕ ምዃኑ ብተደጋጋሚ እዋን እኳ እንተጠቐሰ፣ ነዚ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘካይዶ ምርጫ ከም ጎስጓስ ክጥቐመሉ ደኣ’ምበር ኣብ ጽገና ይኹን ምፍታሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ስለዝኣመነ ከምዘይኮነ’ዩ ዝዝረበሉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ኣብ 2012 ንዋና ጸሓፊት ኪሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ንኮሳዛና ድላሚን ዙማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምቕታላ ወጢኑ ምንባሩ ዝገልጽ ሓበሬታ ነጺግዎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0