ሰበስልጣን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ናይል ዘካየዱዎ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ

ሰበስልጣን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ናይል ዘካየዱዎ ዘተ ብዘይፍረ ተዛዚሙ

Radio Erena: 27 December 2017

ethiopian daሰበስልጣን ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ናይል ዘካየዱዎ ዘተ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብዕለት 26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ፣ ግብጺ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበጽሓ ብዘይምኽኣለን፣ ኣህጉራውያን ክኢላታት ክጽምበርዎ፣ ግብጺ ከምዝጸወዐት ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ድሕሪ’ቲ ዘተ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ፣ ንዋሕዚ ማይ ናይል ከምዘየጉድሎ ቅድም ከተረጋግጽ ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደ መዕለቢ ብዘይምብጸሐን ፍልልያተን ተኣሚነን ኣህጉራውያን ናይ ተክኒክ ክኢላታት ክጽምበሩ ሓሳብ ኣቕሪብና’ለና ኢሉ።

 

ኢትዮጵያ ሱዳንን ግብጺን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ካብ ዝተራኸባሉ ኣትሒዘን እቲ ዘተ ዝኾነ ምዕባለ ብዘይምርኣዩ፣ ብሰለስቲኤን ሃገራት ዝቖመ ናይ ተክኒክ ጉጅለ ርኡይ ዓቕሚ ሕጽረት ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ ክብል’ውን ሳምሕ ሹክሪ ገሊጹ።

ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ፣ ሃገሩ ንኩለን ሃገራት ዘርብሕ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ከምዘላ’ኳ እንተጠቐሰ፣ ነቲ ብግብጺ ዝቐረበ እማመ ግና ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃበሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቀንዲ ንግብጺን ኢትዮጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ፣ መሰረታዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ፣ ኢትዮጵያ ምህናጽ’ቲ ሓጽቢ ክትቅጽሎ’ዶ ኣይፋል ዝብል ምዃኑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ ኣዲስ ኣበባ የመልክቱ።

ኢትዮጵያ ምህናጽ’ቲ ሃይድሮ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ዘመንጩ ሓጽቢ እንተቀጺላቶ፣ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዲፕሎማስያዊ ምትሕብባር ዝጥሕስ’ዩ ክብሉ’ዮም ሰበስልጣን ግብጺ ዝኸሱ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0