ሱዳን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ንምምካት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

ሱዳን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ንምምካት ሓድሽ ሕጊ ኣውጺኣ

Radio Erena: 28 December 2017

Abdrahman Dirar

ሱዳን ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ንምምካት ሓድሽ ሕጊ ከምዘውጸአት ሚኒስተር ፋይናንስ’ታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ብሰሉስ 26 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኡምዱርማን ተጋቢኡ ንዝወዓለ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው ባጤራ ንምምካት ምምሕዳራዊን ጸጥታዊን ሕግታት ከተኣታቱ ምዃና ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብፍላይ ዶላር ዋግኡ ብመንጽር ባጤራ ሱዳን ውሱን ከምዝኸውን ኣፍሊጡ። ኩለን ትካላት መንግስቲ በዚ ሓድሽ ዝጸድቕ ዋጋ ሸርፊ ዶላር ክሕጸራ ምዃነን እውን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ዓብደልራሕማን ድራር ብተወሳኺ፣ ትካላት መንግስቲ ካብ ወጻኢ ዘእትዎኦ ዝነበራ ኣቑሑትን መካይንን ደው ክብል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ካብ ወጻኢ ንዝኣቱ ገለ ምህርቲ ናይ ቀረጽ ምትዕርራይ ተገይሩሉ ኣብ ተጠቃማይ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብርትዓዊ ዋጋ ክሽየጥ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሸርፍን ሓዋላን ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት ሱዳን ብመንግስቲ ክህደኑ ምስ ጀመሩ፣ ዝበዝሑ ነታ ሃገር ገዲፎማ ከምዝሃደሙ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0