ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፈጺሙዎ ዝበሃል ግፍዒ ዝምርምር ኣካል ቆይሙ

ssudan UNባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ፈጺሙዎ ዝበሃል ግፍዒ ዝምርምር ኣካል ኣቚሙ።

ባይቶ ጸጥታ ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ብሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣዛዚ ዓቃብ ሰላም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሆላንዳዊ መጀር ጀነራል ፓትሪክ፣ ነቲ መርመራ ከካይድ መዚዙዎ’ሎ።

 

ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸሞ ግፍዒ፣ ምርሻን፣ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝርከቦ ሓያሎ ክስታት ተመስሪቱሉ ከምዘሎ ባይቶ ጸጥታ የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሓደ ሆቴል ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ፣ መሳርሕተን ዝነበረ ደቡብ ሱዳናዊ ምርሻኑ፣ ንምጽራይ ንመጀር ጀነራል ፓትሪክ ዝተዋህበ ዕማም እዩ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ደቡብ ሱዳናውያን ደቀንስትዮ’ውን ኣብ ከባቢ ቀጽሪ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰራዊት መንግስቲ ከምዝተዓመጻ ባይቶ ጸጥታ ይኸስስ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ እዋን’ቲ ገበን ናይ ህጹጽ ረዲኤት ጻውዒት ተገይሩሉ’ኳ እንተነበረ፣ ዝኾነ ምላሽ ብዘይምሃቡ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ዩ።

ብባይቶ ጸጥታ ተመዚዙ ዘሎ መጀር ጀነራል ፓትሪክ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ዓቃብ ሰላም፣ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ምርግጋጽን ኣብ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ምላሽ ክህብን ሓደ ካብ ቀንዲ ዕማማቱ እንከሎ፣ ስለምንታይ ዕሽሽ ክብሎ መሪጹ ንምጽራይ ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ክምርምሮ ምዃኑ ሓቢሩ።

ካብ ዓሌት ኑወር ዝኾኑ ደቡብ ሱዳናውያን፣ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር እሙናት ብዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት፣ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ክወርዶም ምጽንሑ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0