ሰራዊት የመን ኣብ ልዕሊ ኣል ቃዒዳ መጥቃዕቲ ከፊቱ

yemenwarሰራዊት የመን፣ ንነዊሕ እዋን ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝጸንሐ ገጠራት ኣብያን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ጋልፍ ኒውስ ኣፍሊጡ።

እቲ ብናይ ስዑዲ ዓረብ ነፈርቲ ውግእ ዝተደገፈ ሰራዊት የመን ናብ ከተማ ኣል ማሕፋድ ንምእታዊ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ ካብ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ከቢድ ተቓውሞ ከምዘይገጠሞ’ዩ ዝግለጽ።

 

እዚ ብነፈርቲ ስዑዲን መሻርኽታ ሃገራት ዓረብን ተደጊፉ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት የመን፣ ነቶም ኣብ የመን ናይ ስልጣን ሃጓፍ ተጠቒሞም ክስስኑ ጀሚሮም ዘለዉ ጉጅለታት ኣልቃዒዳን ምስ ዳዒሽ ዝደናገጹ ጥሩፋት ጉጅለታትን ናይ ምጽራግ ስርሒት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ጀሚሩዎ።

ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ካብ ነፈርቲ ስዑዲ ከቢድ ዕንወት ብምስካሙ፣ ኣብ ዞባ ባይድሃ ዝርከብ ኣኽራናት ክሕባእ ተገዲዱ ከምዘሎ’ዮም ኣዘዝቲ ሰራዊት የመን ዝገልጹ።

ብኻልእ ወገን ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ዶብ ኣብ ልዕሊ እትርከብ ናይ ስዑዲ ከተማ ደብዳብ ኣካዪዶም።

በቲ ብሰሉስ ኣብ ከተማ ናጅራን ዝተኻየደ ናይ ተወንጫፊ ሮኬት ደብዳብ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0