ሰራዊት እስራኤል ንስደተኛታት ዝገብሮ ሓገዝ ደው ከብል ተኣዚዙ

ሰራዊት እስራኤል ንስደተኛታት ዝገብሮ ሓገዝ ደው ከብል ተኣዚዙ

srawit esraሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፣ ሰራዊት እታ ሃገር ንስደተኛታት ዝገብሮ ሓገዝ ብቕጽበት ደው ከብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ሚኒስተር ኣቪግዶር ለይበርማን ንሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኣብ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ኣብ ትርፊ ግዚኦም ንስደተኛታት ዝገብርዎ ወለንታዊ ሓገዝ ኣድላዪ ከምዘይኮነ፣ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ክጥቀምሉ እንተደልዮም ከኣ ንግዳያት ናዚ ክሕግዙ ይግባእ ኢሉ።

 

ኣባላት ሰራዊት እስራኤል ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ብፍላይ ህጻናት ተዓቚቦምሉ ዝርከቡ ከባቢታትን ቤት ትምህርታትን ደቡብ ተልኣቪቭ ብምኻድ ምስቶም ህጻናት ግዜ ከሕልፉ ጸኒሖም’ዮም።

ነዚ ዝተኣታቶ ዘሎ ወለንታዊ ህጻናት ስደተኛታት ናይ ምሕጋዝ ባህሊ፣ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ብሓጎስ ከምዝፍጽምዎ ይነግሩ። ንሳቶም ንማዕከናት ዜና እስራኤል ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ስደተኛታት ዘሕልፍዎ ናይ መከራ ህይወት ክርድዎ ከምዝሓገዞም ይገልጹ።

ሓድ ሓደ ነበርቲ ዞባ ሻፒራ ብኣንጻሩ ኣብ ዘስምዕዎ ዘለዉ መረረ ሰራዊት እስራኤል ምስ ደቂ ስደተኛታት ክጻወቱን ክሰኣሉን ክንርኢ እንከለና ዝተኸሓድና ኮይኑ ይስመዓና፣ ድሕሪ ምባል፣ ስደተኛታት መሰል ከምዘይብሎምን ካብታ ሃገር ክወጹን ከምዝግባእ ፖሊሲ መንግስቲ ስለዝኾነ፣ ከኽብርዎ ምተገበአ ይብሉ።

ኣቐድም ኣቢሉ ነበርቲ’ቲ ዞባ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ተደጋጋሚ ጥርዓናት፣ ‘ወተሃደር ንህጻናት እንተሓገዘ እንታይ ኣበር ኣለዎ’ ዝብል ምላሽ ክህበሉ ዝጸንሐ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣንጻራዊ ትእዛዝ ምሃቡ፣ ኣብታ ሃገር ንዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቖጢዑ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0