ኣብ ከሰላ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሓያሎ ሰባት ወሲዱ

ኣብ ከሰላ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ህይወት ሓያሎ ሰባት ወሲዱ

kesela floodምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሱዳን ብሰንኪ ዘጋጠመ ዕልቕልዕ፣ ልዕሊ ሚእቲ ሰባት ከምዝቐተለ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ሩባ ጋሽ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ብምውሓዙ ዝፈጠሮ ዕልቕልዕ ዝተሃርመ ከባቢታት ከሰላ ብኣሽሓት ዝቑጸር ኣባይቲ እውን ከምዘዕነወ ተፈሊጡ።

 

በዚ ዕልቕልቕ ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ህጹጽ ናይ መግብን ካልእ መሰረታዊ ጠለባትን ከምዘድልዮ ይግለጽ።

ዞባ ምብራቕ ሱዳን ምስ ከተማ ካርቱም ዘራኽብ መስመር መራኸቢታት’ውን በዚ ዞባ ጋሽ ዝፈጠሮ ዕልቕልቕ ተቛሪጹ ብምህላዉ፣ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ህጹጽ ረዲኤት ንክረኽቡ ኣሸጋሪ ኮይኑ’ሎ።

ጋዜጠኛ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ገለ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ውሕጅ ከምዝመጽእ ኣቐዲሞም ስለዝጠርጠሩ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ናብ ውሑስ ዝበልዎ ቦታ ከምዝተዓቖቡ ሓቢሩ። እንተኾነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ስንቆም ወዲኦም ብዘይመግብን ማይን ብምትራፎም፣ ብፍላይ ህጻናት ረሳሕ ማይ ክሰትዩ ብብዝሒ ከምዝተራእዩ ሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ጥራይ ኣብ ከተማ ከሰላ 25 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ከባቢ 8 ሽሕ ኣባይቲ ዓንዩ ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ዝነጥፍ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ የመልክት።

ኤል ኒንዮ ብዝፈጠሮ ምዝንባዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ገለ ሃገራት ካብ ዓቀን ንላዕሊ ዝናብ ክወርድ እንከሎ ኣብ ገለ ሃገራት ከኣ ድሩቕ ኩነታት ኣየር ብምምጻእ ኣብ ህይወት ሓረስቶት ከቢድ ዕንወት ከምዘኸተለ ኣህጉራዊ ኣገልግሎት ሜትሪዮሎጂ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0