ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም

Radio Erena: 27 January 2023

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ ትግራይ ጠቕሊሉ ከምዘይወጸ፣ ራድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዝወጸ፣ ብደረቐን ተንቀሳቐስን ኣሳእል ዝተሰነየ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይጋዋሕ እኳ እንተሎ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኹኑ ሓይልታት ትግራይ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃብሉን።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ትግራይ ዝጸንሓ ኣሃዱታት ገሊኤን ተሳሒበን ብሓደስቲ ክትክኣ እንከለዋ፣ ገሊኤን ድማ ናይ ቦታ ምቕይያር የካይዳ ምህላወን ኣመልኪቶም።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ሰሜን ትግራይ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ዝነበሮ ብዝሒ ብምንካይ፣ ኣብ ዶባት ናብ ዝርከባ ዓድታት ክስሕብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ መግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ብወገን ኤርትራ ዝተቐየረ ነገረ ከምዘየለን፣ በብእውኑ ግፋ’ውን ግፋ ከምዝርአን’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0