ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ዓድታት፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ግጭታ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 27 January 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ኦሮሞን ኣምሓራን ግጭታት ይካየድ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ኣሶሽተድ ፕረስ ብዘቕረቦ ዜና መሰረት፣ ካብ 21 ጥሪ ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣምሓራ ኣብ እትርከብ ጀዋሃ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ዝጀመረ እቲ ግጭት፣ ናብ ከተማ ኣጣየን ካልኦትን ልሒሙ ይርከብ።

ዛጊት ብዝሒ በቲ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባትን ዝዓነወ ንብረትን ብዝርዝር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ናይ 10ታት ሰባት ሬሳ ከምዝቐበሩን ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝተቓጸለን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብታ ከተማ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ይካየድ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር፣ ኣሽሓት ሰባት ናብ ከተማ ሸዋ ሮቢት ይሃድሙ ምህላዎም ኣገንዚቦም።

ኣብ ሸዋ ሮቢት ዝርከብ ሆስፒታል፣ ኣብቲ ግጭት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ሓያሎ ሰባት ይቕበል ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ ብ25 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ፈደራል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ይሰርሑ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን በብእዋኑ ናይ ብሄር ግጭታት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብፍላይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት እቲ ግጭት እናበኣሰ ይመጽእ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭት ብዝምልከት መግለጺ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0