ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምውራዱ ሮይተርስ ንናይ UN ቡለቲን ብምጥቃስ ገሊጹ

Radio Erena: 31 May 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት፣ ኣብ ትግራይ፣ ከተማ ሸራሮ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ኣብ ሰብን ንብረት ጉድኣት ከምዘውረደ፣ ንሓጺር እዋናዊ ጸብጻብ ወይ ቡለቲን ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ንትካላት ግብረ ሰናይ ብምውካስ ንዘቕረቦ ቡለቲን ከም ምንጪ ጠቒሱ፣ ብ31 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ከተማ ሸራሩ ብውሕዱ 23 ግዜ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተኻየደ ኣመልኪቱ።

ገሊኡ ካብቲ ዝተተኮሰተ ቦምባታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ከምዝዓለበ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ ወዲ 14 ቆልዓ ክቕተል እንከሎ 18 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ኣገንዚቡ።

ብዘይካ’ዚ 12 ኣባይቲ በቲ ደብዳብ ምፍራሱ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ 24 ግንቦት ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወሎም ብምምልካት፣ ኣስታት 300 ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምዉቱን ቁሱልን ጌሮም ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሉ፣ ብ30 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሕዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ 28ን 29ን ግንቦት ንከተማ ሸራሮ ብምድብዳብ ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ ጉድኣት ከምዘብጽሑ እቶም ሓይልታት ከሲሶም።

ብዛዕባ’ዚ ብሓይልታት ትግራይ ዝቐረበ ወቐሳ ይኹን ክሲ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ኣይተዋህበሉን።

ራድዮ ኤረና፣ ብዛዕባ’ቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ግጭት ክልቲኦም ወገናት እኳ እንተረጋገጸት፣ ኣብ ሰብን ንብረን ዘብጽሖ ጉድኣት ግና ብዝርዝር ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0