ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ልዕሊ 490 ዕጡቓት ኢዶም ሂቦም ክብል መንግስቲ ሓቢሩ

Radio Erena: 01 June 2022

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ 493 ዕጡቓት፣ መንግስቲ ብዘቕረበሎም ጻውዒት ኢዶም ከምዝሃቡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም መንእሰያት ምዃኖም ዝተገልጹ ዕጡቓት፣ ጸጥታን ሰላምን ዝተፈላለየ ከባቢታት ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ክዘርጉ ዝጸንሑ’ዮም ክብል ኣመሓዳሪ ናይቲ ክልል፣ ኣቶ ጌታሁን ኣብዲሳ ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ድሕሪ ምሃቦም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ተሃድሶ ከምዝርከቡ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ብ31 ግንቦት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት፣ ጸጸኒሑ ናይ ብሄር ግጭታት ይጎሃሃር ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት’ውን ንጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከውድቑ ይርኣዩ’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0