‘ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሸራሮ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 40 ሰለማውያን ሰባት ረሺኑ።’ ኣምነስቲ ኢንተርናሽል

Radio Erena: 27 October 2022

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ 6 ክሳብ 12 መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ሸራሮ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 40 ሰለማውያን ሰባት ከምዝረሸነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽል ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ብ24 ጥቅምቲ፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ፍጻሜ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣየቕረበን።

ብሰራዊት ኤርትራ ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንሓያሎ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝቖጻጸረሉ ዘሎ ግዜ፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 ዝተፈጸመ ግፍዕታት፣ ዓምጽ ደቂንስትዮን ምርሻን ሰለማውያን ሰባትን ከይድገም ሰጊኡ ምህላዉ እቲ ትካል ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነተን ከተማታት ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፣ ሞት ሰለማውያን ሰባት ንምውጋድ ዝከኣሎ ይጽዕር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ መግለጺኡ ብኣንጻሩ፣ ካብ ነሓሰ ክሳብ መስከረም፣ ኣብ ዓዲ ዳዕሮን መቐለን ኣብ ዝርከቦ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ብዝተኻየደ ናይ ነፈርትን ድሮንን ደብዳብ፣ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ከምዝኾኑ’ዩ ወቒሱ።

ዳይረክተር ናይቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ መሰላት ኣብ ዞባ ምብራቕን ደቡባዉን ኣፍሪቃ፣ ሙለያ ሙዋናያንዳ (Muleya Mwananyanda)፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰለማውያን ሰባት ንምክልኻል ዝኣተዎ መብጽዓታት ምስ ሕሉፍ ተሞክሮታት ብምዝማድ፣ ክጥሓስ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ’ያ ኣስሚራትሉ።

ወትሃደራውያን ይኹኑ ሲቪላውያን ሰበ ስልጣን፣ ገበናት ኵናት ንዝፍጽሙ ኣዘዝቲ ሓይልታት ናብ ሕጊ ከቕርቡ ድማ ተላብያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0