“ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶባት ሱዳን ብምጥሓስ ተጻብኦታት ይቕጽል ኣሎ።” ሚ/ጉ/ወጻኢ ሱዳን

Radio Erena: 16 February 2021

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዶባት ሱዳን ብምጥሓስ ተጻብኦታት ይቕጽል ከምዘሎ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብ15 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጠንቂቑ።

እቲ ሚኒስትሪ ኣብ መግለጺኡ፣ ኢትዮጵያ፣ ሉኣላውነትን ሕጋዊ ዶባትን ሱዳን ብምጥሓስ እትፍጽሞ ዘላ ተጻብኦታት፣ ንጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግን፣ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ዘዕርግን’ዩ ኢሉ።

ንመግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን መልሲ ዘይሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሙ ብ14 ለካቲት፣ ብመንገዲ ኣፈኛኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሱዳን ነቲ ካብ 6 ሕዳር 2020ዝጀመረቶ፣ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ዝጸንሕዎ መሬት ናይ ምፍንቓል መስርሕ ከተብል ጸዊዑ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብዋንነት ናይቲ ኣብ ዶባተን ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ኣልፋሺጋ ን26 ዓመታት ክሰሓሓባ’የን ጸኒሐን።

ካብ 6 ሕዳር 2020 ንደሓር ድማ፣ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ብሰራዊት ተሰንዩ ከምዝጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ እትኸስስ ሱዳን፣ ኣብ ዘካየደቶ ጸረ መጥቃዕቲ፣ ንዝበዝሐ እቲ ‘ዋንነተይ’ዩ’ እትብሎ ዘላ መሬት ተቖጻጺራቶ ምህላዋ ትጠቕስ።

ኣብቲ ሱዳን ዋንነታ ምዃኑ እትገልጾ ዘላ፣ ኣብ ሕርሻ ተዋፍሮም ዝጸንሑ 10ታት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ ተፈናቒሎም ናብ ጎንደርን ካልእ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ከምዝኣተዉ ይግለጽ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ’ዚ ዘሰሓሕበን ዘሎ ናይ ዶብ ጉዳይ፣ ንምቕርራበን፣ ብደቡብ ሱዳብ ንዝተወስደ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፣ ሱዳን ካብቲ ዝሓዘቶ መሬታ ቅድም ትውጻእ ዝብል ቅድመ ኩነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዓንቀፎ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ ከባቢታት ሰራዊት ይኹምራ ምህላወን ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0