ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ካብ ዕጡቓት ኣምሓራ ናጻ ከምዝገበረን ገሊጹ

Radio Erena: Thursday, 10 August 2023

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ካብ ዕጡቓት ኣምሓራ ናጻ ከምዝገበረን ገሊጹ።

ገለ ክፋል እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ሚሊሻታት ፋኖን ወዲቁ፣ ኣብ ከባቢአን ከቢድ ብረት ዝተሓወሶ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ክካየድ ከምዝሓደረን ክግለጽ ጸኒሑ።

እንተኾነ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነተን ከተማታት ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተወንን፣ ዕጡቓት ናይ ምጽራይ ስርሒታት የካይድ ምህላዉን ጠቒሱ።

እቶም ዕጡቓት፣ ካብተን ክልተ ቀንዲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ከምዝወጽኡ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ደብረብርሃን ኣብ እትርከበን ካልኦት ከተማታትን ሓውስቲ ከተማታትን ግና ግጭት ይቕጽል ምህላዉ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ወዲቑ ምህላዉ ዝሕብራ እተን መርበባት፣ ዛጊት ብዝሖም ብጽኑር ዘይተሓበረ ሰባት ግድያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም ምህላዎም ኣመልኪተን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ክልል ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ እኳ እንተሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብዛዕባ ‘ቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍራስ ጸጥታ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0