ሰራዊት ሶማል፣ 70 ከተማታትን ሓውስቲ ከተማታትን ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 31 March 2023

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ መጥቃዕታት፣ ኣስታት 70 ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር፣ ብ25 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት ሶማል፣ ኣብቲ ብነፈረቲ ኣመሪካን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ተሓጊዙ ዘካየዶ ስርሒታት፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሽሕ ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለን ልዕሊ 3700 ድማ ከምዘቝሰለን ሓቢሩ።

መንግስቲ ሶማል ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ፣ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ንካልኣይ መድረኽ መጥቃዕቲ ክዳሎ፣ ናብቲ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ዝኾነ ዞባታት ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ድሕሪ ዘሕለፎ ትእዛዝ’ዩ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሶማል፣ ላሪ ኣንድረ ብወገኑ፣ ንራድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝልኣኾ ኢመይል፣ ኣልሸባብ ሓደ ስልሲት (1/3) ናይቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ከባቢታት ከምዝኸሰረ ጠቒሱ።

ኣመሪካ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ስልያ፣ ስልጠናን ፍሉይ ስርሒታትን ብምትሕብባር ኣብ ጎኒ መንግስቲ ሶማል ተሰሊፉ ዝርከብ ኣስታት 700 ሰራዊታ፣ ነፈርቲ ውግኣን ድሮናታን ብምልኣኽ ንዝተጸንዐ ዒላማታት ኣልሸባብ ኣብ ምድብዳብ ብዝልዓለ ትዋሳእ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ሶማል ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እዚ ካብ ኣልሸባብ ሓራ ከምእትኸውን ፕረዚደንት ሓሰን ተመባጺዑ ኣሎ።

መንግስቲ ሶማል ነዚ መብጽዓ እዚ ንምትግባር፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣሽሓት ውትሃደራት፣ ብምልኣኽ የሰልጠን ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0