Updated: ሰራዊት ሱዳን ዘካየዶ ኣድማ ደው ከምዝበለ ተሓቢሩ

Radio Erena: 15 January 2020

ሰራዊት ሱዳን፣ ትማሊ 14 ጥሪ ኣድማ ዘካየዶ ኣድማ ደው ከምዝበለ ሰበ ስልጣን ጸጥታ እታ ሃገር ሓቢሮም።

ገለ ክፋል ሰራዊት ሱዳን፣ ብዛዕባ ወሰኽ ደሞዝን ዕብየ ማዕረግን ብዝምልከት ሕቶታት ብምልዓል፣ ብዘካየድዎ ኣድማ፣ ንሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት’ዮም ተቖጻጺሮም ውዒሎም።

ኣባላት ስለያን ሃገራዊት ድሕነትን ሱዳን፣ ምስ ወደብቲ እቲ ኣድማ ድሕሪ ዘካየድዎ ምርድዳእ፣ ሰራዊት ዓጢቕዎ ዝነበረ ብረት ብሰላም ስለዘውረደ፣ እቲ ኣድማ ብዘይጎነጽ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ኣብ ካርቱም ተዅሲ ፈኮስትን ከቢድን ብረታት ይስማዕ ምንባሩ ነበርቲ እታ ከተማ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም።

ክልተ ወትሃደራት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ’ውን ሓካይም ኣመልኪቶም።

እቲ ኵናት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ኣትዩ ከምዘሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ዝተዓጻጸፈ ወሰኽ ደሞዝ ክገብር ምዃኑ እኳ እንተሓበረ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እባ ግብሪ ኣይወዓለም።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0