ሰራዊት ሱዳን፣ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈንወ ክልተ መጥቃዕታት ከምዘፍሸለ ገሊጹ

Radio Erena: 08 January 2021

ሰራዊት ሱዳን፣ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝተፈነወ ክልተ መጥቃዕታት ከምዘፍሸለት ንወትሃደራውያን ምንጭታት ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቲ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፣ ሳሪባ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ኣልፋሺጋ ዝተኻየደ ክልተ መጥቃዕታት፣ ሰራዊት ሱዳን፣ ንዝሓዞ ሰፊሕ ክፋል መሬት ንምምላስ ዝዓለመ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ብምሊሻ ክልል ኣምሓራን ከቢድቲ ብረታትን ተሰነዩ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዶ ዝሓበሩ ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ብሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ተመኪቱ ክምለስ ከምዝኸኣለ’ዮም ጠቒሶም።

ሱዳን፣ ንልዕሊ 26 ዓመታት ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሰፊሕ መሬት፣ ንዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከም ዘእተወቶ’ያ ገሊጻ።

ኢትዮጵያ ብወገና፣ ሱዳን፣ ብኮሚተ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምጥቃስ፣ ዶባት ኢትዮጵያ ሰጊራ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክትብል’ያ ትወቕስ ዘላ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ነቲ ሰፊሕ ከባቢታት ኣልፋሽጋ ክቆጻጸሮ ዝኸኣለ፣ ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ቅንያት ብሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻን ዝተኻየደሉ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየዶ ናይ ግብረ መልሲ ስርሒታት’ዩ።

ኣብ’ቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬታ ዝጸንሑ፣ መብዛሕቶም ተወላዶ ኣምሓራ ዝኮኑ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣ እቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሱዳን ድሕሪ ምእታዉ፣ ናብ ጎንደርን ካልእ ክልላት ኢትዮጵያን ተበታቲኖም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዶብ ተሳቢቡ ወሊዐንኦ ኣብ ዘለዋ ግጭት ብዝምልከት፣ ፕረዚደት ኢሳይያስ ንዝቐረቦ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፣ ሱዳን ከምዝነጸገቶ ዲፕሎማስያን ምንጭታት ኣሚቶም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0