ብጸሓፊ ክፍሊ ሃብቲ ሃገር፣ ስቴቨን ምኑሺን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 07 January 2021

ብጸሓፊ ክፍሊ ሃብቲ ሃገር፣ ስቴቨን ምኑሺን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ሱዳን፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ብረቡዕ 6 ጥሪ ናብ ካርቱም ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ብዛዕባ ሕውየት ቁጠባ ሱዳን፣ ኣመሪካ ክትልግሶ መዲባ ዘላ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላርን፣ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ግብጽን ከሰማምዕ ዘይክኣለ ኣጠቓቕማ ናይልን ዲጋ ተሃድሶን ብምዝልከት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ከምእተዘራረበ ተሓቢሩ።

ቅድሚ ናብ ሱዳን ምእታዉ፣ ኣብ ግብጺ ተመሳሳሊ ዑደት ዘካየደ ጸሓፊ ሃብቲ ሃገር ኣመሪካ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ውን ብዛዕባ’ቲ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ተጀሚሩ ዝነበረ፣ ብተቓውሞ ኢትዮጵያ ግና ዘይተዓወተ ተበግሶ ዘተ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይል ብዕምቆት ከምዝተመኻኸሩ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፣ እቲ ዘተ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ከምእትደሊ ብምግላጽ፣ ካብቲ ናይ ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ድሕሪ ምስሓባ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ነታ ሃገር ዝተመደበ 130 ሚልዮን ዶላር ደው ከምዘበሎ ይፍለጥ።

እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል’ዩ ዝተባህለ ዘተ’ውን፣ ኣብ ካልኣይ እግሪ፣ ሱዳን ብወግዒ ብዘይገለጸቶ ምኽንያት ካብ ምስታፍ ስለዝቦኸረት፣ ዛጊት ክዕወት ኣይክኣለን።

ይኹን’ምበር ምስ ግብጺ ተቐራራቢ መርገጺ ሒዛ እትብሃል ዘላ ሱዳን፣ ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝነበሮ ስሉሳዊ ዘተ ዝቦኸረትሉ ምኽንያት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባዊ ግጭት ተጸሚዳ ስለዘላ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0