‘ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናትን ፈጺሞሞ’ዮም።’ ሁማን ራይትስ ዎች

Radio Erena: 16 September 2021

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ገበናት ከምዝፈጸሙ ሁማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ16 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሺመልባን ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣሽሓት ስደተኛታት ብዙሕ ገበናት ከምዝፈጸሙ ኣመልኪቱ።

እቲ ኵናት ናብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ሓዲ ሓሩሽን ድሕሪ ምልሓሙ፣ ኣብዚ ክልተ መዓስከራት ተዓቝቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን’ውን ግዳያት ተመሳሳሊ ገበናት ከምዝኾኑ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ ብዝፈጸምዎ ገበናት ብማዕረ ተሓተቲ’ዮም ክትብል ወኪል እቲ ትካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ለቲሽያ ባደር ኣስሚራትሉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝተዓቝቡ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኵናት ድሕሪ ምውልዑ ገሊኦም በስገዳድ ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ክጥቐስ እንከሎ፣ እቶም ዝበዝሑ ግና ተበታቲኖም ይርከቡ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን፣ ነቶም ኣብ ክልተ መዓስከራት ትግራይ ዝተረፉ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ዳባት ናብ ዝተደኮነ ሓድሽ መዓስከር ንምግዓዞም ተጀሚሩ ኔሩ።

እንተኾነ፣ እቲ ከባቢ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ቀንዲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባራት ኮይኑ ኣሎ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ራድዮ ኤረና

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0