ኤርትራ፣ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኣስታት 15 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቆስጣል ዳግማይ ተኣሲሮም

Radio Erena: 15 September 2021

ኣብ ኤርትራ፣ ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኣስታት 15 ኣመንቲ ክርስትና ጴንጠቆስጣል፣ ዳግማይ ከምዝተኣስሩ፣ ረሊዝ ኢንተርናሽናል ኣቃሊዑ።

እቲ ንመሰል እምነት ክርስትና ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንናይ ኤርትራ ምንጭታቱ ብምጥቃስ፣ ብ14 መስከረም ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ካብቶም ኣብ ኣስመራ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዛውቶም ዝተወስዱ ኣመንቲ፣ ኣቐዲሞም ንኣስታት 16 ዓመታት ዝተኣስሩ ይርከብዎም።

ኣመንቲ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ምዃኖም ዝተመልከተ ዜጋታት፣ መብዛሕቶም ኣቐዲሞም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሽዱሽተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ኮይኖም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈትሑ’ዮም።

እቶም ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝኾኑ ዜጋታት፣ መብዛሕቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ክሳብ 60ታት’ዮም ዝርከቡ።

ዝሓለፈ ቅንያት፣ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ከካብ ገዝኦም ምስ ተወስዱ፣ ብምሉኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተሓይሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ’ውን፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ልዕሊ 70 ዓመት ንዝዕድሚኦም ክልተ ኣገልገልቲ ኣብያተ ክርስትያን፣ ዳግማይ ከምዝኣሰሮም ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ በብእዋኑ ዝኣሰሮም ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትና፣ እስልምና፣ መሰኻክር ጂሆቫን ካልኦት ሃይማኖታትን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ንገሊኦም ክፈትሕ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ወርሒ’ውን ከይጸንሐ ንብዙሓት ዳግማይ ከምዝኣሰሮም ኣብ እዋኑ ተመልኪቱ’ዩ።

ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን መሰረታዊ መሰላት እምነት ደቂሰብ ዘይክበረለን ሃገራት ዓለም ተባሂላ፣ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0