ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 11 March 2019

Alshebab

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብሓሙስ 7 መጋቢት ኣብ ከተማ በለድወይን ዝተኻየደ ስርሒት፣ እቲ ኣባል ኣልሸባብ ኢዱ ንዘይምሃብ ንነዊሕ ከምዝተታኾሰ ኮማንደር ፋራሕ ዓሊ ዋሱገ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣልሸባብ ሙዃኑ ዝተነግረሉ ሶማላዊ፣ ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ሓያሎ መጥቃዕቲ ቦምባታት ቀንዲ ሃንዳሲ ምንባሩ ይግለጽ።

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣባል ኣልሸባብ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ መንበሪ ቤቱ ድሕሪ ዘካየዶ ተፍትሽ፣ ናይ መኪናን ሰብን ዘጠቓለለ ሓያሎ ነተጉቲን ዝተጻወደ ቦምባታትን ከምዝረኸበ ተሓቢሩ።

ብዓቃብ ሰላም ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ምስ ኣልሸባብ ኣብ ዝገብሮ ግጥም፣ ንሓያሎ ቦታታት እታ ሃገር ይቆጻጸር እኳ እንተሎ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ሽበራዊ መጥቃዕታት ካብ ምግባር ኣየዕረፈን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0