ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8 መጋቢት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ 8 መጋቢት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ

Radio Erena: 10 March 2019
ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን ነዛ ዕለት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዘኪሮማ ከምዝወዓሉ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበታት ተኸፋፊሉም ዝርከቡሉ ዘለዉ እዋን፣ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን፣ ካብተን ኣብ ንዓመታት ኣብ መሓዩር ዝርከባ ደቀንስትዮ ጀሚሮም ክሳብ’ተን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከባ ዜጋታት ዘሕልፎኦ ዘለዋ መከራ ተንቲኖም።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ንምጽምባል፣ ብኤምባሲታት ኤርትራ ዝተዳለወ በዓላት እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይካየድ ኣሎ።

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ማእሰርቲ፣ ኣብ ስደት ከኣ ኣብ ፈቐዶ መዳጎኒ መዓስከራትን ኣሰጋገርትን ዝሓልፎኦ ዘለዋ መስገደል ዝመልኦ ህይወት እንዳረኣኻ፣ ንመጋቢት 8 ምጽምባል ቁስልኻ ምሕባእ እዩ ክብሉ’ዮም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ተጣበቕቲ መሰላት ዝገልጹ።

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዝዓበየ ቦታ እትሽፍን ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ፣ እታ ዝያዳ ዝተበደለት ኣካል ሕብረተሰብና ብምዃና፣ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ዘይኮነ፣ ዓመት ምሉእ ክትዝከርን ክትከብርን ኣለዋ ክብሉ ኤርትራውያን ከካብ ቦትኡ ጭሮሖም የቃልሑ ኣለዉ።

ኣብ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ካብ ዝርከቡ ዜጋታትና፣ ወጽዓን በደልን ጓለንስተይቲ ዝቕረፈሉ፣ ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ሃገርና ንይምሰል ዘይኮነ ዝግበኣ ቦታን ክብርን ክሳብ ትረክብ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ካብ ሓያሎ ወገናት ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት እዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0