ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ብምሻጥ፣ ኣህጉራዊ እገዳ ትጥሕስ ምህላዋ ተወቒሳ

Radio Erena: 28 February 2017

Glocom

ሰሜን ኮርያ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ብምሻጥ፣ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ኣህጉራዊ እገዳ ትጥሕስ ምህላዋ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እትርከብ ክነሳ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብዝመስረተቶ መርበባት ናብ ሓያሎ ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ትሸይጥ ከምዘላ’ዩ እቲ ጸብጻብ ዝወቅስ።

እቲ ኣስታት 100 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ስርሓት ሰሜን ኮርያ ዝኾነ ወትሃደራዊ መራኸቢታት ከምዝተታሕዘ ይጠቅስ።

እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተታሕዘ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ወትሃደራዊ ንዋት ንኻልኣይ ግዚኡ ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ሕቡእ ስምምዕ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ሮይተርስ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ዋንነቱ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ፣ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ኩባንያ ግሎኮም ዘፍረዮ ኣስታት 45 ባኮታት ዝመልአ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት፣ ናብ ኤርትራ እናምርሐ’ዩ ተታሒዙ።

እቲ ኣብ ማሊዥያ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ምስ ክፍሊ ስለያ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝካየድ ናይ ባንክ ሕሳባትን መሸጣ ወትሃደራዊ ንዋትን ሰሜን ኮርያ ዘሳልጥ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ብሕሉፍ ምልኪ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎ፣ ተመሳሰልቲ ዝኾና ሰሜን ኮርያን ኤርትራን፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ ኣጽዋር እገዳ ኣንቢሩለን ካብ ዘለዋ ሃገራት ዓለም’የን።

ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ እናተባህለት ከምእትግለጽ ይፍለጥ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0