ኣብ ሱዳን ዝተሰነዐ ቪዛ ክሸይጥ ከምዝጸንሐ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተታሒዙ

Radio Erena: 28 February 2017

Eri Visa

ኣብ ሱዳን፣ ዝተሰንዐ ቪዛ ክሸይጥ ከምዝጸንሐ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣብ ካርቱም ከምዝተኣስረ ኣል ኒለን ዝተባህለት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢራ።

እቲ ጀብራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ናይ ካርቱም፣ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ስሙን ምሉእ መንነቱን ኣይተሓበረን።

ፖሊስ ሱዳን፣ ነቲ ጥርጡር ንምሓዝ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተውሉ፣ 10ታት ናይ ኤርትራ ፖስፖርት፣ 17 ዝተሰነዐ ድሉው ናይ ኤርትራ ቪዛታት፣ 15 ድማ ዘይተወድአ ቪዛታት ከምዝጸንሐ እታ ማዕከን ዜና ብኣሳእል ኣሰንያ ኣብ ዘቕረበቶ ዜና ኣፍሊጣ።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ መንበሪ ገዛ፣ ዝተራቐቐ ናይ ደኩመንታት መሰንዒ ማሺን፣ ዝተፈላለየ ማሕተማትን ናይ ወጻኢ ባጤራታትን’ውን ከምዝተረኽበ ተገሊጹ።

Visa 2

 

 

ስእሊ፣ መርበብ ሓበሬታ ኣል ኒለን

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0