ሰልፊ ኤን.ሲ.ፒ. ንሽምግልና ኤርትራ ተቐቢሉ

ኤርትራ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን ንምሽምጋል ዝወሰደቶ ተበግሶ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ፣ ወሃብ ቃል’ቲ ውድብ ኣመልኪቱ።

ባድረልዲን ኣሕመድ ኢብራሂም ኣብ መግለጺኡ፣ ዝርዝር ሓበሬታ’ኳ እንተዘይሃበ፣ ኤርትራ ዝወሰደቶ ተበግሶ ኤን.ሲ.ፒ. ብዘይምውልዋል ከምዝቕበሎ ኣብሪሁ።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣቦ ወንበር ምንቅስቓስ ህዝባዊ ሓርነት ሱዳን ናብ ኤርትራ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓብደልራሒም ሑሴን ናብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።
እቲ ሚኒስተር ምክልኻል ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ንፕረዚደንት ኢሰያስ መብርሂ ከምዝሃቦ ሓቢሩ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ ኤርትራ ናይ ሽምግልና ተራ ክትጻወት እንተኾይና መንግስቲ ሱዳን ኣቐሚጥዎም ዘሎ ከም ጉዳይ ብሉ ናይልን ደቡብ ኮርዶፋንን ዝኣመሰሉ ነጥብታት ኣብ ግምት ከተእትዎ ከምዝግባእ ገሊጹ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0