ርዋንዳ፣ ዝስጎጉ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ብወግዒ ኣፍሊጣ

ርዋንዳ፣ ዝስጎጉ ስደተኛታት ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ብወግዒ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 23 January 2018

Rwanda FM

ርዋንዳ፣ ብዘይድሌቶም ዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝኾነ ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዘይከተመት ብወግዒ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ትማሊ ሰኑይ 22 ጥሪ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ርዋንዳ ድሕሪ ዘካየድዎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ’ዩ።

ኣብቲ እስራኤላውን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነጠፍተኛታት፣ ምሁራት፣ ጠበቓታትን ጋዜጠኛታትን ዝተረኽብሉ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሰልፈኛታት፣ ርዋንዳ ነቲ “መሸጣ ደቂ ሰብ’ዩ” እናተባህለ ዝግለጽ ዘሎ ስምምዕ ምስ መንግስቲ እስራኤል ደው ከተብሎ ሓቲቶም።

ድሕሪ’ዚ ሰፊሕ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ዝረኸበ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ እስራኤል ዝበጽሖ ዝኾነ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘየለ ኣነጺሩ ኣሎ።

ብስም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ሊዊዝ ሙሺኪያቦ ዝተኸተመ መግልጺ መንግስቲ ርዋንዳ ከምዘነጽሮ፣ ርዋንዳ ብዘይድሌቶም ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ዜጋታት ኣፍሪቃ ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝኸተምቶ ዝኾነ ምስጢራዊ ስምምዕ የለን።

እንተኾነ፣ ብወለንትኦም ናብ ናብ ርዋንዳ ክምለሱ ንዝደልዩ ስደተኛታት ኣፍሪቃ፣ ማዕጾ ርዋንዳ ክፉት ምዃና መግለጺ እታ ሚኒስተር የመልክት።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ22 ጥሪ ኣብ ሄርጺልያ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ርዋንዳ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ መንግስቲ ርዋንዳ ምስ እራኤል ዘካይዶ ዘሎ ስምምዕ ምምላስ ስደተኛታት ኮኒኖም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ወገናቶን ብፍላይ ድማ ምሁራት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነጠፍተኛታትን ኣብ ኤምባሲታት ርዋንዳ ተመሳሳሊ ሰልፍታት ክውድቡን ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከቕርቡን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ ተማሕጺኖም።

እዚ ከምዚ’ልኡ እንከሎ ሓያሎ ማሕበረ ሰብ እስራኤል ንፖሊሲ መንግስቲ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምቕዋም ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት የቕርቡ ኣለዉ።

ሓያሎ ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ኤሊኤሊ ናይ እስራኤል’ውን ናብ ርዋንዳ ንዝስጎጉ ስደተኛታት ጽዒኖም ከምዘይበሩ ገሊጾም ኣለዉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0