ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበረ ጆርጅ ዊያ፣ ፕረዚደንት ላይበርያ ንምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበረ ጆርጅ ዊያ፣ ፕረዚደንት ላይበርያ ንምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ

Radio Erena: 24 January 2018

George weah

ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዌያ፣ ፕረዚደንት ላይበርያ ንምዃን ብ22 ጥሪ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

እንኮ ኣፍሪቃዊ ተሸላሚ ባሎንዶር ዝኾነ ጆርጅ ዌያ፡ ንቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓለንስተይቲ ፕረዚደንት ኢለን ጆንሰን ሰርሊፍ ተኪኡ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ላይበርያ ኮይኑ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፣ 61.5 ሚእታዊት ዓብላሊ ድምጺ ብምርካብ ድሕሪ ምዕዋቱ’ዩ።

ምስ ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳን ሃገራዊት ጋንትኡን ተሰሊፉ ዓበይቲ ክብርታት ዝተጎናጸፈ ጆርጅ ዌያ ካብ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ምስንባቱ ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ሃገሩ ክዋሳእ ጸኒሑ።

እንተኾነ ኣብ ፈለማ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ክዕወት ኣይከኣለን።

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገበ ወዲ 51 ዓመት ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዌያ፣ ኣብ ምዕቃብ ሓድነት ሃገሩ፣ ምርግጋእን ጸጥታን ከምኡ ድማ ቁጠባዊ ሕውየት እዛ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝኾነት ላይበርያ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ ህዝቢ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ኣሎ።

ብሓያሎ ዓመታት ብኵናት ሓድሕድ ዝተሓመሰት ላይበርያ፣ ኣብዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ተዛማዲ ሰላምን ጸጥታን ሰፊኑዋ፣ መራሕታ ኣብ እዋኑ ብዝካየድ ሃገራዊ ምርጫታት ብሰላም ይተኻኽኡ ኣለዉ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0