ርዋንዳ፣ ብዓሌታዊ ህልቂት፣ ብዝልዓለ ክህደን ዝጸንሐ ሰብ ኣብ ፓሪስ ተታሒዙ

Radio Erena: 17 May 2020

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ዝተፈጸመ ዓሌታዊ ህልቂት፣ ኢድ ኔርዎ ተባሂሉ ብዝልዓለ ክህደን ዝጸንሐ፣ ፈሊስየን ካቡጋ ዝተባህለ ርዋንዳዊ ኣብ ፓሪስ ተታሒዙ።

እቲ ንኣስታት 26 ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ርዋንዳዊ፣ ኣብ ኬንያ ተሓቡኡ ከምዘሎ ንነዊሕ ዓመታት ይውረየሉ እኳ እንተነበረ፣ ብቀዳም16 ግንቦት ብፖሊስ ኣብ ዝተታሕዘሉ ግና፣ መንነቱ ቀይሩ ኣብ ፓሪስ ክነብር ከምዝጸንሐ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወዲ 84 ዓመት ዘሎ ፈሊስየን፣ ሓደ ካብ መወልቲ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ ህልቂት ዝፈጸሙ ጉጅለታት ሁቲ ምንባሩ’ዩ ዝኽሰስ።

ኣብ ኣብ 1997፣ ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ጉዳዩ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝርከቦ ሸውዓተ ክስታት’ዩ ቀሪብሉ።

ምትሓዝ እዚ ብህልቂት ኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ዝኽሰስ ሰብ፣ ብሓጎስ ዝተቐበልዎ ርዋንዳውያን፣ ናብ ኪጋሊ ተላኢኹ ፍርዱ ክቕበልን ይጠልቡ ኣለዉ።

ኣብ ሩዋንዳ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ክሳብ ወርሒ ሰነ 1994 ኣብ ዝነበረ ዓለታዊ ህልቂት፣ ልዕሊ 800 ሽሕ ዝግመቱ ካብ ዓሌት ቱትሲ ከምዝሃለቑ ሰነዳት ታሪኽ ዘዘኻኽር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0