ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተማ ገሊጸን

ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተማ ገሊጸን

Radio Erena: 08 January 2018

Isreal migr

ርዋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ መብዛሕትም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ንኽትቅበል ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝበጽሓቶ ስምምዕ ከምዘየለ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኦሊቭየ ኑድሁንግርየ ገሊጹ።

ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን እስራኤልን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ዝተጀመረ ዝርርብ ከምዝነበረ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ግና ኣስሚርሉ።

ኣቐዲማ’ውን ኡጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝበጽሓቶ ስኾነ ስምምዕ ከምዘየለ ምግላጻ ይዝከር።

እዘን ሃገራት ነዚ መግለጺታት ዝህባሉ ዘለዋ፣ እስራኤል ኣብ ውሽጢ’ዚ ሰለስተ ኣዋራሕ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳን ኡጋንዳን ክወጹ ምዃኖም ኣብ እትገልጸሉ ዘላ እዋን’ዩ።

እስራኤል ኣብዚ 90 መዓልታት ናብዘን ሃገራት ንዝወጽእ ነፍፍፍሲ ወከፍ ሓታቲ ዑቕባ 3500 ዶላር ክትህብ ምዃና ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ተወሲኑ ዘሎ ግዜ ንዘይወጸ ግና ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኒም ክእሰር ምዃኑ’ያ ተፈራርሕ ዘላ።

እዚ እስራኤል ኣውጺኣቶ ዘላ ኣዋጅ፣ ብወግዒ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕ ዘቕረቡ፣ ኣለይቲ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ወለዲ፣ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦምን ናይ ሕክምና ጸገማት ዘለዎም ንግዜኡ ኣይምልከቶምን’ዩ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ኣስታት 6 ሽሕ ጥራይ’ዮም ቅጥዒ ብምምላእ ብወግዒ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣቕሪቦም ዘለዉ።

እዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዘውርዶ ዘሎ ጸቕጥን ዝወስዶ ዘሎ ንመነባብርኦም ዘጎሳቕል ስጉምታት ብኣህጉራውያን ማሕበራት ስደተኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብተሪር ይንቀፍ።

====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0