ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ የመን ጃልባ ከምዝሓዘ ገሊጹ

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ የመን ጃልባ ከምዝሓዘ ገሊጹ

Radio Erena: 25 September 2017

Puntland

ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ካብ የመን ዝተበገሰትያ’ያ ዝበላ ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝሓዘ ገሊጹ።

ኣብታ ብቀዳም 22 መስከረም ዝተታሕዘን ጃልባ ብርክት ዝበለ AK-47 ዝዓይነቱ ጠበናጁን ተተኮስትን ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ ርእሰ ምምሕዳር፣ ናብ ኣልሸባብን ካልኦት እስላማውያን ዕጡቓትን ዝተላእከ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታቱ ሂቡ።

ይኹን’ምበር እቲ ኣጽዋር ካብ መን ከምዝተላእከን ብልክዕ ናበይ የምርሕ ምንባሩ ይጻረ ከምዘሎ ሓላፊ ክፍሊ ፖሊስ ባሕርያ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዓብደራሕማን ማሕሙድ ሓሰን ሓቢሩ።

እታ ኣል ፋሩቕ ዝተባህለት ጃልባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ የመን ድሕሪ ምብጋሳ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ ብዝሃቦ ምሉእ ሓባሬታ ክትተሓዝ ከምዝኸኣለት’ዩ ካብ ወደባዊት ከተማ ቦሳሶ ናይ ርአ ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ዘመልክት።

 

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0