ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣካይዳ

Radio Erena: 01 June 2021

 

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ምርጫ ኣባላት ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ተኻይዱ።

ኣብቲ ብሰኑይ 31 ግንቦት ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከምዘድመጸ ተሓቢሩ።

ኣስታት 4 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ኣብ 1991 ካብ ሶማል ተፈልያ ናጽነታ እኳ እንተኣወጀት፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

እታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣብቲ ድሕሪ 60 መዓልታት ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ኣካል ሶማል ኮይና ክትሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ተደጋጋሚ ዕድመ ከምዘቕረበ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፣ ካብ ሶማል ዝሓሸ ጸጥታን ርግኣትን ዘለዋ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ደጊማ ምስ ሶማል ናይ ምሕባር ድሌት ከምዘይብላ ትነጽግ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0