ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትርከብ ደሴት ማዕዩን ናይ የመን፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ትሃንጽ ኣላ

Radio Erena: 01 June 2021

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ደሴት ማዕዩን ናይ የመን፣ ወትሃድራዊ መዓስከር ትሃንጽ ከምዘላ ተሓቢሩ።

እቲ ብምስጢር ክህነጽ ዝጀመረ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ክሳብ 18 ግንቦት ዝበዝሐ ክፋሉ ከምዝተዛዘመ’ዩ ተገሊጹ።

ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ እቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፣ ንሉኣላውነትን ሓድነትን የመን ዝግህስ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

እዛ ኣብ ኣፍደገ ኤል መንደብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት፣ ኣገዳስነታ ንኢማራት፣ ካብቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንላዕሊ፣ ውሕስነት ናይተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝንቐሳቐሳ መራኽብ ኣብ ምሕላው ንዝህሉ ስርሒታት ምዃኑ’ዩ ተጠቐሱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ 2019 ኣትሒዛ፣ ናብታ ደሴት ሓይልታት ከተውፍር ከምዝጸንሐት ክረጋገጽ እንከሎ፣ ብዛዕባ ምምስራት ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ብዝምልከት ግና ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበተሉን።

ካብ 2015 ኣትሒዛ ኣብ ኵናት የመን ተጸሚዳ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ካብታ ሃገር ክትስሕብ ከምዝጀመረት ትግለጽ።

እታ ዓረባዊት ሃገር እትምውሎምን ኣብ ኤርትራ ከምዘሰልጠነቶም ዝንገረሎምን ሚሊሻታት ደቡብ የመን፣ ኣብ ከተማ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ከምዘዋፈረት፣ ዝተፈላለዩ ወግናት እታ ሃገር ይወቕሱ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ወትሃደራዊ መዓስከር ቀስ ብቐስ እትኣሊ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብቀዋምነት ዘንብራ ስትራቴጅያዊ ገማግም ወይ ደሴት ኣብ ምንዳይ ከምዘላ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0