ራድዮ ኤረና፣ ብAfrica Media Development Foundation (AMDF) ዝወሃብ ናይ 2020 ናይ ትብዓት ጋዜጠኝነት ተዓዋታ

Radio Erena: 13 October 2020

ራድዮ ኤረና፣ ብAfrica Media Development Foundation (AMDF) ዝወሃብ ናይ 2020 ናይ ትብዓት ጋዜጠኝነት ተዓዋቲት ኮይና።

እዚ ኣብ ናይጀርያ ዝመደበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል፣ ሎሚ 13 ጥቅምቲ ብመንገዲ ናይ ኢንተርነት መራኸቢ ኣብ ዘካየዶ፣ ወግዓዊ ስልማት ናይ ምዕዳል ስነ ስርዓት፣ ራድዮ ኤረና፣ ኣብ ስደት ብምዃን፣ ነቲ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጻን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኝነትን ዘይፍቐድ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብምብዳህ ንልዕሊ 10 ዓመታት ትቅጽል ብምህላዋ፣ ነዚ ናይ ትብዓት ሽልማት Courage in Journalism Award ክትወሃብ ብቦርድ ከምዝወሰነ ሓደ ካብ ኣባላት ‘ቲ ቦርድ ዶ/ር ይላ ኡማሩ ገሊጹ።

ብዛዕባ ራድዮ ኤረና፣ ንኣዋርሕ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ብመንገዲ ብቴሌፎም ኣብዝ ተኻየደ ዝርርብ ዝሓበረ ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኢልያ ኩረ ብወገኑ፣ ንናይ ኣፍሪቃ ሜድያታት ብኣፍሪቃዊ ትካል ኣፍልጦን ክብርን ክወሃብ ግቡእን ዘኹርዕን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ራድዮ ኤረና ኣቐዲማ’ውን ኣብ ኣብ ብሪጣንያን ዝወሃብ ፍሉይ ሽልማት One World Media 20197ከምኡ ድማ ኣብ ፈረንሳ፣ ብሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር ዝወሃብ ፍሉይ ሽልማት መሰል ደቂ ሰብ 2019 ወይ Le Prix des Droits de l’Homme de la République française ከምዝተዓወተት ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ስደት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት እትዳሎ ራድዮ ኤረና፣ ካብ ሰነ 2009 ኣትሒዛ፣ ን11 ዓመታት፣ ብሳትለይት፣ ሓጺር ማዕበል፣ ኢንተርነትን ካልእ ናይ ሜድያ መድረኻት ኣብ ፈነወ ትርከብ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0