ሩስያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ዘተ ትቕጽል

Radio Erena: 22 June 2021

ኣብ ሱዳን ክትሃንጾ ዝመደበት መደበር ሓይሊ ባሕሪ መሰናኽል ዘጋጠማ ሩስያ፣ ካልእ ኣማራጺታት ንምንዳይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ሃገራት ትዘራረብ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምስ ጂቡቲ ዘተ ዘካየደት ሩስያ፣ ኣቐዲማ’ውን ምስ የመን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዘረኮረ ምይይጥ ምክያዱ ተሰሚዑ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ የመን፣ ኣሕመድ ቢን ዓዋድ ሙባረክ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ የመን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፣ ኣብ ሩስያ፣ ከተማ ሶቺ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ሰርጌ ላቭሮቭ ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ሃገርን ሩስያ ክትገብሮ እትኽእል ኣበርክቶን ተመያይጡ።

ምስ ሑቲን ምስቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመንን ርክባት ከምዘለዋ እትግለጽ ሩስያ፣ ኣብ ጉዳይ የመን ካብቲ ኣብ ሶርያን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን ዘለዋ ፖሊሲ ዝተፈልየ ምዃኑ’ዩ ዝጥቐስ።

ሩስያ፣ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ኣፍሪቃን ዝነበራ ጽልዋ ከተመልስ ከምእትድሊ ይግለጽ።

ኣብ ገማግም ሱዳን፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ፣ ኣብ 2017 ምስ ስርዓት በሺር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሐት፣ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ናብ ሃገራት ምዕራብ ዛዝዩ ዝርከብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ግና ነቲ ስምምዕ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ሩስያ ነቲ ኣብ ሱዳን ክትሃንጾ ዝመደበት ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ንምህናጹ ትሓስብ ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይእምቱ።

ብዛዕባ’ዚ ተኽእሎታት ንምፍታሽ ድማ ምስ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ትዝቲ ከምዘላ የረድኡ።

ሩስያ፣ ዛጊት ምስ ጂቡቲን የመንን ዘትያ እኳ እንተላ፣ ነታ ምስ ሃገራት ምዕራብ ምቅዳው ዘይብላ ኤርትራ’ውን ዓይና ኣውዲቓትላ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0