ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን መናሃርያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ትሓትት

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን መናሃርያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ትሓትት

Radio Erena: 14 June 2018

bashir and putinሩስያ፣ ኣብ ሱዳን መናሃርያ ሓይሊ ባሕሪ ንኽወሃባ ትሓትት ከምዘላ ተገሊጹ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሱዳን ቭላድሚር ጊልቶቭ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንማዕከን ዜና ‘ስፑትኒክ’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መንግስታት ሃገሩን ሱዳንን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ እቲ ሩስያ እትሓቶ ዘላ መናሃርያ፣ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘይኮነ ንቀረባት ባሕርያ ዘገልግል ጥራይ’ዩ ክብል እቲ ኣምባሳደር ገሊጹ።

ሩስያን ሱዳንን ብዛዕባ’ዚ ዘካይድኦ ዘለዋ ዝርርብ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ እንተተበጺሑ ብወግዓዊ መንገዲ ክሕበር ምዃኑ እቲ ሩስያዊ ዲፕሎማሰኛ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2017 ናብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ህላዌ ሩስያ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ወትሃደራዊ ሚዛን ዓለምና ኣገዳሲ ብምዃኑ፣ ሱዳን ንሩስያ ወትሃደራዊ መዓስከር ክትፈቕደላ ከምእትኽል ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዑደቱ፣ ካብ ሩስያ ነፈርቲ ውግእ ንምሽማት ከምዝተሰማምዐ’ውን ይዝከር።

ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ወትሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ሃገራት ዓረብን ሩስያዊ’ውን እንተተጸንቢራቶ፣ ዞባዊ ምትህልላኽ ብዝበኣሰ ክዓርግ ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ የረድኡ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0