ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝሞተሉ መበል 181 ዓመት ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ

ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝሞተሉ መበል 181 ዓመት ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ

Radio Erena: 12 February 2018

Pushkin

ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝሞተሉ መበል 181 ዓመት፣ ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ኤምባሲ ሩስያ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ10 ለካቲት ዝተኻየደ ዝኽሪ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ኣባላት ኤምባሲ ሩስያን ተረኺቢሞም፣ ኣብ ሕብምርቲ ኣስመራ ኣብ ዝተሃንጸ ሓወልቲ ናይቲ ሩስያዊ ዕምባባታት ከምዘነብሩ ተገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራውያን ቆልዑ ንዝኽሪ እቲ ሩስያዊ መዛሙር ከስምዑ እንከለዉ፣ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት’ውን ግጥምታት ቀሪቡ።

ንስነ ጥበባውያን ዜጋታቱ ዝግባእ ክብሪ ዘይሃበን ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ሓወልቲ ዘይሃነጸን መንግስቲ ኤርትራ፣ ምእንቲ ናይ ሩስያ ምጽወታ ክብል፣ ናይ ኤርትራ ዘርኢ ኣለዎ ተባሂሉ ንዝውረየሉ ሩስያዊ፣ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ኣብ እግሪ ማይ ጃሕጃሕ ሓወልቲ ምህናጹ ንብዙሓት ዜጋታት ከምዘጉሃየ ይፍለጥ።

መሰል ዜጋታት ብምግሃስን ብስደት ዜጋታቱን ብደረጃ ዓለም ግኑን ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፣ ምስለይ ከጸብቑ ይኽእሉ’ዮም ንዝበሎም ምስ ኤርትራ ዝኾነ ሌላ’ውን ዘይጸንሖም፣ ናይ ኤርትራ መበቆል ኣለዎም ንዝብሃሉ ሰባት ብወጻኢታት መንግስቲ እናዓደመ፣ ምዕሩግ ኣቐባብላ ክገብረሎም ልሙድ ባህርያቱ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0