ሩስያን ሱዳንን ኣብ ጸጥታ ክተሕእጋገዛ ይዝትያ

RADIO ERENA – Tuesday, 30 April 2024

ብምክትል ጉዳያት ወጻኢን ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን፣ ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ዝምራሕ ላዕለዎይ ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሱዳን ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሩስያ፣ ብ29 ሚያዝያ ናብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ልዩተናት ጀነራል ሸምሰዲን ካባሺ ዩ ኣቐባብላ ጌርሉ።

ንሱ ኣብ ዑደቱ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ ስልጣን መንግስቲን ተመያይጡ።

ዕላማ ዑደቱ፣ ኣብ መንጎ ሩስያን ሱዳንን ዘሎ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምትሕግጋዝ ንምሕያል ምዃኑ መርበባት ዜና ሱዳን ጠቒሰን።

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕን ሓድነት እታ ሃገር ክሕሎን ከምእትድግፍያ ትገልጽ።

ሚኻኤል ቦግዳኖቭ፣ ምስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ዋዕላ ላዕለዎት ወከልቲ ኣብ ጉዳያት ጸጥታ ዝተሳተፈ ሓላፊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን፣ ኣሕመድ ሙፋዳል ተራኺቡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ከምዝተመያየጠ መርበባት ዜና ሩስያ ሓቢረን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0