ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይቕጽል፣ ኢጣልያ ድማ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት ዝመጽእ ወርሒ ደው ከምእተብሎ ትገልጽ

ሞት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይቕጽል፣ ኢጣልያ ድማ ስደተኛታት ናይ ምድሓን ስርሒት ዝመጽእ ወርሒ ደው ከምእተብሎ ትገልጽ

Radio Erena: 08 October, 2014

Mare Nostrum

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ደው ከተብሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

ኢጣልያ ነቲ ማረ ኖስትሩም ማለት ባሕርና ዝተሰምየ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ካብ ወርሒ ሕዳር 2014 ደው ከተብሎ ምዃና ትገልጽ ዘላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 11 ሚልዮን ዶላር ባጀት የህልኽ ብምህላዉ’ያ።

 

ገለ ክፋል ናይቲ ኢጣልያ ከተቛርጾ ምዃና ዝገለጸት ስርሒት ምድሓን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ  ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝተዋጽአ ኣሃዱ ክትካእ ምዃኑ ይሕበር እኳ እንተሎ፣ ኣድማዕነቱ ግና ኣጠራጢሩ ኣሎ።

ኢጣልያ በቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ዘካየደቶ ስርሒት መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 90 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘድሓነት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምድሓን ስርሒት ማረ ኖስትሩም፣ ድሕሪ’ቲ ዓሚ ኣብ 3 ጥቕምቲ 360 ኤርትራ ዘህለቐ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱሳ ዝጀመረ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ስደተኛታት ዛጊት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰበ ስልጣን ሊብያ ሓቢሮም።

እታ ብሰኑይ 6 ጥቕምቲ፣ 250 ስደተኛታት ጽዒና ዝተበገሰት ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዙሕ ከይርሓቐት ድሕሪ ምጥሓላ፣ 70 ስደተኛታት ክድሕኑ እንከለዉ፣ ናይ 30 ሬሳ ከኣ ድሮ ተኣኪቡ ኣሎ።

ናይቶም ዝተረፉ ሃለዋት ግና ዛጊት ኣይተፈልጠን።

መብዛሕቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያ ኮይኖም፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ከምዝነበሩ ሰበ ስልጣን ሊብያ የመልክቱ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0