ሞርጋን ስቫንጊራይ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ

ሞርጋን ስቫንጊራይ፣ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ

Radio Erena: 17 September 2017

 tsvangiraiንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዚምባብወ ምዝገባ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፣ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደመክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎ ሺን ሁዋ፣ ካብታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣመልኪቱ።

ቀንዲ መቐናቕንቲ ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝኾነ ሞርጋን ስቫንጊራይ፣ ብቀዳም 16 መስከረም ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ወሃብ ቃል ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ሞርጋን ስቫንጊራይ ኣብ ጻዕረ ሞት ኣትዩ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑን፣ እቲ መራሕ ተቓዋሚ ሰልፊ ናብ ምሉእ ጥዕንኡ ተመሊሱ ከምዘሎን ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኩሉ ህዝቢ ዚምባብወ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ድምጹ ንኽህብ ክምዝገብ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ካብ ሞርጋን ስቫንጊራይ ከምዝተቐበለ ሓቢሩ።

ካብ 2000 ዓመተምህረት ኣትሒዙ ቀንዲ መቀናቕንቲ ፕረዚደንት ሙጋቤ ዝኾነ እቲ መራሕ ተቓዋሚ ሰልፊ፣ ኣብ 2008 ጥራይ’ዩ ዝያዳ ድምጺ ረኺቡ። ንእንተኾነ ንመወዳድርቱ ሙጋቤ ከውጽእ ዝኽእል እኹል ዓወት ብዘይምርካቡ፣ ከይተዓወተ እዩ ጸኒሑ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0