ምፍርራህ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ይቕጽል

ሰበስልጣን እስራኤል ነቶም ኣብ መዳጎኒ መዓስከር ሖሎት ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን፣ ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ዩጋንዳ ወይ ሩዋንዳ ክጣየሱ እንተዘይፈቒዶም፣ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሳሃሮኒም ክእሰሩ ምዃኖም የፈራርሑ ኣለዉ።

    እዚ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዳግማይ ጀሚሩ ዘሎ ምፍርራህ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ዘካይዶ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጸቕጢ ብምፍጣር ባዕሎም ካብታ ሃገር ክወጹ ዝብል መምርሒ ምዃኑ ይሕበር።
    እዚ ሰበስልጣን እስራኤል ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ፣ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ሓዊስካ ንኹሉ ኣህጉራዊ ውዕላት መሰል ደቂሰብ ዝጥሕስ ምዃኑ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኸሱ።
    ኣቐድም ኣቢሉ ብገዛእ ፍቓዶም ናብ ዩጋንዳ ወይ ሩዋንዳ ክጣየሱ ወሲኖም ዝተባህሉ 9 ሽሕ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን፣ ግቡእ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ስለዘይተገብረሎም፣ ዳግማይ ክስደዱ ከምዝመረጹ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ ብኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0