ኣብ ሱዳን ተጨውዮም ዝነበሩ 47 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናጻ ወጺኦም

ኣብ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ዝነበሩ 47 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናጻ ወጺኦም።
     እዞም ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝጸንሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናጻ ዝወጹ፣ ፖሊስ’ታ ከተማ ድሕሪ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ ተሓቢሩ።

     ኣብቲ ብቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ውግእ ኣብ መንጎ ፖሊስን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን፣ ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ፣ እቶም ግዳያት ክድሕኑ ዝኸኣሉ።
    ኣብቲ ኣጋጣሚ ሸውዓተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፣ እቶም 47 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ኣብ ክልተ ሎሪ ዝዓይነተን ናይ ጽዕነት መካይን ተዓሺጎም ከምዝጸንሑ ተሓቢሩ።
     ምብራቓዊ ሱዳን ብፍላይ ዞባ ከሰላ፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ምዃኑ ይፍለጥ። ሰበስልጣንን ተራን ኣባላት ፖሊስ እቲ ዞባ’ውን ኣብዚ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኢድ ኣለዎም ተባሂሉ ብኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ።
    ኣቐድም ኣቢሉ ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ብ4 ሰነ 2015 ካብ ዝጨወዮም ልዕሊ80 ኤርትራውያን 14 ዝኾኑ ካብ መፈንጠራ እቲ ጉጅለ ከምዝምለጡ፣ ሓደ ካብኣቶም ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምግላጹ ይዝከር።
    እቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሃቦ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ፈለማ ብዳዒሽ ኣብ ዝተሓዙሉ እዋን 130 ከምዝነበሩ ብምጥቃስ፣ 22 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 87 ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ ዜጋታት ሶርያ ምንባሮም ምስክርነቱ ሂቡ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0